ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ SN ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ብምትሕብባር ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰሙን 3 ጊዜ (ሰኑይ ሰሉስ፡ ሓሙስ) ምግና ተምሃሮ (ባኒ፣ ዐባ/ርግኦ) ከካይድ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፣፣

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ (እንተኮይኖም) ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 15,000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ፣

6. እዚ ግልፂ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተፈለጠን መፀዋዕታ ምስተገበረሉን ብር 20,000.00 (ዒስራ ሽሕ) መኽበሪ ውዕሊ ብሲፒኦ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን ዝድለ ቐረብ ኣብ ዝድለ እዋን ከቕርብ ዝኽእል፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፣፣ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ሓደ ተወዳዳራይ (መቕረባይ) ካብ 800 - 1,200 ቑፅሪ ንዝኾኑ ተምሃሮ ጥራሕ የቕርብ፡፡ ቑፅሪ ተምሃሮ ክውስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል፡፡

9. ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ሙሉእ ሽምን ማህተምን ተወዳዳራይ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ንዝበለፀ ሓበሬታን ዝርዝር መረዳእታ ስፐስፊኬሽንን 2 ገፅ ምስ እዚ ሰነድ ተተሓሒዙ ይርከብ፡፡

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ 410 ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡

12. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 10/04/2018 ዓ.ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ይኸፈት፡፡

ዝርዝር ዓይነት ውሱን ጨረታ

ዓይነት ቐረብመለክዒነፀላ ዋጋመብርሂ
170 ግራም ባኒቑዕሪ
2200 ሚ.ሊ ፍሉሕ ፀባ (ርግኦ)ሚ.ሊ.