ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ

ቑጽሪ፦ ኤ/ስ/ም/ወ/ኩ/3462/ዕ/ፋ/ም/ን/18

ዕለት፦ 30/3/2018

ቑጽሪ ፕሮፎርማ፦ 0009/2018

ምልክታ ጨረታ ፕሮፎርማ

ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ካብ ዘለዎ በጀት ናይ መኪና ባትሪ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም መቕረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ዝርዝር ንብረትመግለጺመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋ ብብር
ኤክስ ፕሮ ባትሪ /X-PRO/ Orgional70Aቑጽሪ01

ረቋሒታት፦

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለዪ ቁፅርን (TIN) ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐትን (Certificate) ዘለዎን ኮፒ ገይሩ ዘተሓሕዝ፣

2. በቲ ዝቐረበ ሕቶ ድልየት (Spesfication) መሰረት ዘቅርብ፣

3. ሰዓራይ ዝኾነ መቅረቢ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ኤጀንሲ ሰታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ኣታዊ ዝገብር፣

4. ናይ'ዚ ፕሮፎርማ ዋጋ ጸኒዑ ዝጸንሓሉ እቲ ጨረታ ካብ ዝኸፈት ን7 መዓልቲ ምዃኑ፣

5. እዚ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 30/03/2018 ዓ/ም ክሳብ 03/4/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ክፍቲ ኾይኑ። ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓጽዩ ልክዕ 4:30 ናይ ንጉሆ ድማ ይክፈት።

6. ዝተዳለወ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 30/03/2018 ዓ/ም ጀሚርካ ካብ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ከይዲ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምውሳድ ይኸኣል። እዙይ ከምዘሎ ኾይኑ በቲ ዝወጽአ ድልየት ሕቶ (Specification) መሰረት ብናይ ባዕሉ ቅጥዒ መሊኡ ዝመጽአ ተቐባልነት ኣለዎ እዩ።

7. እቲ ዝተምለአ ዋጋ ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሺጉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ክኣቱ ኣለዎ። ፌርማን ናይ ትካል ማህተምን ክዓርፎ ኣለዎ።

8. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕል ኾይኑ የግልግል፣

9. ኤጀንስና ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብብምሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10. ኣድራሻ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ መስመር ጎደና ሰማእታት ኣብ ዝርከብ ህንጻ ወይዘር 4ይ ደብሪ ቁጽሪ 16። ግምባር ዋና ቤት ጽሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት። ንዝበለጸ ሓበሬታ ብቁጽሪ ስልኪ 0342403254/0342402362 ኣብ ስራሕ ሰዓት ደዊልካ ምርካብ ይከኣል እዩ።