ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 03/2018 ዓ/ም

ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ፅገና ኮምፒተር፣ ፕሪንተርን ተዛመድትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒ እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም::

■ በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም መረዳእታ ዘቕርቡ፣

■ ናይዚ ዘመን መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ከቕርቡ ዝኸእሉ፡

■ ግብሪ ከፋላይ መፍለዪ ቁፅሪ (Tax Identification Number) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

■ ተወዳደርቲ መረዳእታኹም ፎቶ ኮፒ ገይርኩም ዋጋ መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምትሕሓዝ ካብ ዕለት 30/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 02/04/2018 ዓ.ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ (ፎቕ) ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን) ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኸተእትዉ ንዕድም፣፣

■ ዝቐርብ ደኩመንት ብንፁር ብዝረኣየሉ መንገዲ ኮፒ ተገይሩ ክተሓሓዝ ኣለዎ ብንፁር እንተዘይተራእዩ ግን ካብ ዉድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ፡፡

■ እቲ ትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓለ ጊዜ እንተንኣሰ እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ን7+ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን፡፡

■ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ዓይነትን በዝሕን ኣቑሑት

ተ.ቁዝርዝር ንብረትመፍለይመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋመብርሂ
ብርሳን
1ኮምፒዩተርሶፍት ዌር ፅገናቁፅሪ01
ሃርድ ዌር ፅገና
2ላፕ ቶፕሶፍት ዌር ፅገናቁፅሪ01
ሃርድ ዌር
3ፎቶ ኮፒ ዕገናቁፅሪ01
4ፕሪንተር ፅገናቁፅሪ01

ንተወሳኺ ሓበሬታ:- ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4 ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምም/ር) ብኣካል ብምቕራብ ወይ ብቁፅሪ ስልኪ 0342400009 ምሕታት ይከኣል።

መቐለ - ትግራይ - ኢትዮጵያ 0342-400009 ፋክስ/Fax 0344- 406736