1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መንነት ቁፅሪ ሰርተፊኬት ከቅርብ አለዎ
3 በቲ ዘርፊ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምካኑን ናይ ዘመን ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ከምእዉ ድማ አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ መዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክላሪሽን ከቅርብ ዝክእል
4 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈትና ፋይናንስን ንብረት ምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 2 ከብ ዕለት 1/4/2018 ዓም ክሳብ 13/4/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይክእሉ
5 ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድን ፋይናንሻል ቴክኒካልን ነንበይኑ ፋይናንሻል ቅዳሕን ወናን ተባሂሉ ነንበይኑ አብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ወናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንበይኑ አብ ክልተ ፖስታ ጠቅላላ ኣብ ኣርባዕተ ፖስታ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቁፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑን ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሽም ክህብር አለዎ
6 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ዘርፊ 50000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቀረብ መስተ ማይ ፈሳሲን ከተማ ሮማ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩና ጨረታ ሳንዱቅ ቅድም ጨረታ ምካፈቱ ከቅርቡ ዝክእሉ
7 እቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮኑ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንበረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተሊ መዓልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል
8 እቲ ጨረታ 13/4/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ፋይናንስን ንብረት ምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 2 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ኣይተኣጎጎልን
9 እቲ ጨረታ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝገዛእ ንብረት ዓቀን ወይድማ በዝሒ ከምኣድላይነቱ ካብ ነብሰወከፍ ነፀላ ንብረት ክሳብ 20 ሚእታዊ ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ
10 ሰዓራይ ዘቅርቦ ንብረት ብባዕል ሞያ ወይ ብዝምልከቶ ኣካል ተፈቲሹ ትክክላኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን
11 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ ተዘይኮይኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሐወሱ ርድኡ ተገይሩ ይዉሰድ
12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 መዓልቲ ይከዉን
ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920469110 0914787223