1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመን ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል
2 ኣብ ቤት ዕዩ ትልምን ፋይናንስን ብመቅረባይነት ዝተመዝገበ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ እዉን ከቅረቡ ዝክእሉ
3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም ተወዳደርቲ ዋጋ መሊእኩም ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክተቅርቡ ንዕድም
4 ዝልእክዎ ሰነድ ብንፁር ዘረአ መንገዲ ገይርኩም ክተሓሕዙ አለኩም ብምፁር እንተዘይተሪኡ ግን ካብ ዉድድር ዋፃኢ ከምዝከዉን እዉን ነፍልጥ
5 ዝቀረብ ናይ ጨረታ መረዳእታ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ንንበይኑ ኮይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ወይ እዉን ፖስታ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መቅረባይ ወይ እዉን ተወዳዳራይ ሙሉእ ስም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ቁፅሪ ስልኪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑ ናይቲ ቤት ዕዩ ስም ክሕብር አለዎ
6 ተጫረቲ ዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 19/3/2018 ዓም ክሳብ 9/4/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት በኣካል ብምቅራብ 300 ብር እናከፈሉ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ
7 ተጫረቲ ዘቅርብዎ መከበሪ ጨረታ 3000 ቅረሺ ብስም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲጉዶም ብጥረ ገንዘብ ወይ ከዓ ብስፒኦ ናብ ዝተዳለወ ናይቲ ቤት ዕዩ ሳንዱቅ ጨረታ ወይድማ ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ ከቅርቡ አለዎም
8 ኣብቲ ጨረታ ሳዓራይ ዝከዉን ተወዳደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዐሊ ካብ ዝአሰረሉ ዐለት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፍን ናብ ቤት ዕዩና ስቶር ወይ እዉን ንበረት ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል ምካኑ ክፈልጥ አለዎ
9 እቲ ቤት ጨረታ 10/4/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እዉን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይምቅራቦም ሳንዱቅ ጨረታ ምክፋቲ አይተኣጎጎልን
10 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዘይኮኑ ተወዳደርቲ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ናይቲ ጨረታ ዉፅኢት ምስተፈለጠ ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ምስኣሰረ መከበሪ ጨረታ ይምለሰሎም
11 ዉዕሊ ተቀባሊ ዉዕሊ እንተፍሪሱ መከበሪ ዉዕሊ ወይ እዉን ፐርፎርማ ቦንድ ዘትሓዞ ገንዘብ ከምቲ ዉዕሊ አፈፃፅማ ብሙሉእ ተቀፂዑ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከዉን ዉዕሊ ብምቁራፁ ድማ ኣብ ዓዳጊ ዝበፅሕ ጉዳእትን ኪሳራን መቅረባይ ካሕሳ ክክፈል ብሕጊ ዝሕተት ምካኑ ክፍልጥ አለዎ
12 ተጫረቲ ዉዐሊ አፈፃፃም ስራሕ ካብ ዝሰዓረዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወየ ከዓ ናይ ባንኪ ዉሕስና ከቅርብ አለዎ
13 ክፍሊት ዝፍፀም ብመሰረት ዝርዝር መግለፂ ወይ እዉን መርኣያ ፅሬት ዘለዎም ምካኑ ወይድማ ብቁዕ ግልጋሎት ዝህቡ ምካኖም ብዝምልከቶ ኣካል ምስተረጋገፀ ይከዉን
14 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
15 ተጫረቲ ኣብ ነብስወከፍ ዘቅርብዎ መረዳእታ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0934824000 / 0914701770