ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNICEF funded project ን GBV Prevention and Response activities ድጋፍ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲራ ክትዕድግ ስለ ዝደለየት ሕጋዊያን ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ብእዋኑ ዝተሓደሰ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ
7. ተጫራታይ ሰዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል
8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
10. ጨረታ ሰነድ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 25/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 04/04/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/04/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን። ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኸቡ ድማ እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትርፍን
11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኽእል
12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡