ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA Project ማይጨዉ፣ ዓዲግራትን መቕለን ግልጋሎት ዝዉዕል፡-

• ናይ ተግባር ስልጠና

• ፅሕፈት መሳርሒ

• ናይ ዓበይቲ ፐርሰናል አይተም

• ናይ ዓበይቲ ምግቢ

• ናይ ህፃናት ምግቢ

• ናይ ስነ ልቦና ኣቑሑት ዓቅሚ መዕብይ

• ናይ ፅሬት ናውቲ

 ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም 

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TIN NO) ከቅርብ ዝክእል

3. ብእዋኑ ዝተሓድስ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል 

4. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

5. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብኣካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል

6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ

7. ተጫራታይ ሰዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አታዊ ክገብር ዝክእል

8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን

9. ተጫራታይ ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ

10. ጨረታ ሰነድ አብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 25/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 02/04/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 02/04/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይከውን። ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኸቡ ድማ እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትርፍን

11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኽእል

12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን

13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።