ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ እንትጮ ኣብ ናይ 2018 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ዝርዝር ዝዕደጉ ንብረታት ናይ ፕላምፒንግ ባንባ ኣቁሑን/ እሌክትሪኒክስ ኣቁሑ፡ ፅሕፈት መሳርሒ ሞተር ሳይክል ኮይኖም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ _ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘረዘሩ ረቃሒ ክተማልኡ ይግባእ !
1/ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ንተቅረብዎ ንብረት ፊት ዝገብር ንግዲ ፍቃድ ምቅራብ እትክእሉን ናይ እተቅርብዎ ንብረት ንምቅራብ ፍቃድ ዘለኩምን ቲን ናምበር ኣብ ናይ መንግስቲ ዕድጊት ናይ ምስታፍ ፍቃድ ወይ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከትሕዝ ዝክእል "
2/ ናይተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ መስከረም ወርሒ2018ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ | ሪፖርት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ '
3/ ኣብዚ መወዳደሪ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ስርዝ ድልዝ ዘየብሉ ብምምላእ ናይ በዓል ዋና ንግዲ ፍቃድ ወይ ሕጋዊ ወኪል
ፈሪሙ ማህተም ክገብረሉ ኣለዎ፡፡ኣብዚ ስርዝ ድልዝ ወይ ዝተዋቀዐ ዋጋ እንተተመሊኡ ካብ ውድድር ወፃኢ ይከውን ፡
4/ እቶም ዝግዝኡ ንብረታት ዝተፈላለዩ ንብረታት ኮይኖም መክበሪ ጨረታ ብሓደ ንግድ ዘርፍ ንዝሳተፍ ነጋዳይ ዘትሕዞ መክበሪ ጨረታ 10000/ዓሰርተ ሽሕ/ብርጥረገንዘብ ወይብስም ከተማ እንትጮማይ ግልጋሎት ዝተሰርሐ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ ዘ
5/ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 29/03/2018 ዓ/ምክሳብ 13/04/2018 ዓ/ምስዓት 6:00 ንጎሆ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕ እንትከውን ኣብ ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ደይ/ስራ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳር ቤ/ፅሕፈት ቁፅሪ 4 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ዘይምለስ 300/ሰለስተ ሚኢቲ ቅርሺ ብምክፋል ክትዕድጉ እናሓበርና ዕለት 13/4/2018 ዓ/ም ስዓት 60:05 ንጎሆ ተዓፅዩ ዕለተ ንሱ 8፡00 ስዓት ድቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት vኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይ ተረኪቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
6/ ኣብዚ ጨረታ ሰነድ ምዝባዕ ምጭብርባር ዝፈተነ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ኮይኑ ንቀፃሊ ኣብ ናይ ዕድጊት መንግስቲ ንከይሳተፍ ብምግባር ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ከም ዝውረስን ክፍለጥ ይግባእ ፡
7/ ሰዓራይ ምካኑ ምስ ተፈለጠ ውዕል ዝኣሰረሉ ቅጥዒ ውዕል ኣብዚ ሰነድ ተተሓይዙ ዝቀርብ እንትከውን ኣብቲ ውዕል ተካቲቶም ዘለው ዝኣምንሉ ምካኖም ፈርማን ማህተምን ክገብርሉ ተገይሩ ሰዓራይ ንምካኑ ብደብዳቤ ወይ ኣብ ሰነዶም ብዝተፀሓፈ ስልኪ ቁፅሪ ካብ ዝተነገሮም 3ተ መዓልቲ ናይ ቅሬታ ግዜ ምስተወደአ ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምቅራብ ውዕል ክኣስርን መክበሪ ውዕል ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ኣለዎ ኣብቲ ዝተገለፀ መዓልቲ ውዕል እንተዘይ ኣሲሩ ዘትሐዞ ናይመክበሪ ጨረታ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን ፡
8/ ኣብ ዝቀረቡ ዋጋ ዝተመርኮሰ መፍለይ ሰዓራይ ዋጋን ፅሬት ንብረትን ማዕረ እንተኮይኖም ብዕጫ ዝፍፀም ምካኑክፍለጥ ኣለዎ፡፡
9/ እዚ ጨረታ ሰነድ ዝመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ንተከታታሊ 60 መዓልቲ ይከውን
10/ እዚ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናልን ኮፕን ነንበይኖም ኮይኖም ስምን ኣድራሻን ብምፅሓፍ ፈርማን ማህተምን ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
11/ ሰዓራይ ውዕል ምስ ኣሰረ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ብምቅራብ ፅሬት እቲ ንብረት ብባዓል ሞያ ምስተረጋዝ ኣታዊ ይገብር ዝቀርብ ንብረት ካብቲ ዝተኣዘዘ መሰፈርቲ ወፃኢ እንተኮይኑ ከምዘይንቅበል ፈሊጡ ዝዳደር ክከውን ኣለዎ
12/ ቤት ፅሕፈትና ካብ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተቀሚጦም ዘለው ዝርዝር ኣቅሓ ነንሕድሕዶም 20%ነንሕድሕዶም ምውሳክ ወይ ምቅናስ ከም ዝክእል ክፍለጥ ይግባእ
13/ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ይኩን ካልኦት መብርሂ ኣብ ዝተደለየሉ ግዜ /0918167263ምድዋል ይካኣል
14/ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ወይንም ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ተማራይ
ምስ ሰላምታ
ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተፍ እንትጮ