ግልፂ ምልክታ ጨረታ
ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከ/ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ኣብ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈትን ናይ ፅሬትን ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡-
ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም።
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ሰራሕ ፍቓድን፤
2. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምስክር ወርቐት፤
3. ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርትፍኬት (Tin No)፤
4. ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ናይ 2018 ዓ/ም ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ሻት ዲክለሬሽን ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል
5. ናይ ጨረታ መከበሪ ካብ ዝተፈለጠ ናይ ውሕስና ትካል ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝተወሃበ ዝተረጋገፀ መኽበሪ ጨረታ CPO ብር
5.1 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 15,000(ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ከቅርቡ ኣለዎም
5.2 ናይ ፅሬት መሳርሒ 5,000(ሓሙሽተ ሽሕ) ከቅርቡ ኣለዎም
6. ተጫረቲ ናይ ዝተጫረትሉ ዓይነት ንብረት ጨረታ ካብ ዝሰዓርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10/ዓሰርተ/ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ቤት ማዛጋጃ ከ/ዓ/ዓዲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ኣታዊ ክገብር ዝክእል፤
7. ተጫረቲ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከ/ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ብር 300 /ሰለስተ ሚእቲ/ ብር ብምክፋል ካብ ዕለት 19/03/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ምውሳድ ይኽእሉ እዮም
8. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ፣ ሓደ ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ መኸበሪን፤ ዝተሓደሰ ንግዲ ሰራሕ ፍቃድ ፤ ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፍኬት/TIN/፤ ናይ ሻት ምዝገባ ምስክር ወረቀት (VAT) ሰርትፍኬት፤ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለሬሽን ሪፖርት ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዪ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ንብረት ሽም ኣብ ልዕሊ'ቲ ዓብዪ ፖስታ ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 30/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም።
9. ተጫረቲ ብቕዳሕ/ኮፒ/ ከቕርብዎ ዝግባእ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ዝሓዘ ሰነድ ሓዊሱ ካብ ቑፅሪ 11 21 3፤4ን 5ን ዝተገለፁ ዶክሞንትታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተ ፖስታታት በበይኑ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።
10. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቕጥዕታት ብትኽክል መሊኦም፣ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንት ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ፣ብትኽክል ክመልኡ ይግባእ፡፡ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ፊርማን ማህተምን ዘይዓረፎን ብትኽክል ዘይተመልአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ፡፡
11. ሰዓራይ መከበሪ ውዕሊ ናይ ዝሰዓርሉ ዋጋ 10% ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብሲፒኦ (CPO) ከቅርብ ዝክእል
12. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 30/03/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት4:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከ/ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን እቲ ጨረታ ይክፈት።
13. እቲ ቤት ፅሕፈት /ከይዲ ሰራሕ/ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
14. ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ቤት ማዛጋጃ ከ/ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብቑፅሪ ስልኪ 09 14 02 66 11 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ።
//ምስ ሰላምታ//
ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከ/ዓ/ዓዲ
1. ናይ ፅሕፈት መሳሪሒ
| ተ/ቁ | ዓይነት ንብረት | መግለፂ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ኮምፒተር ወረቀት 80ግራም A4 ISO certified | 1ይ ደረጃ | ደሰጣ | 300 | ||
| 2 | ሰመያዊ ስክርቢቶ ዘይቆራረፅ | 1ይ ደረጃ | ብፓኬት | 30 | ||
| 3 | ከለር ወረቐት | 1ይ ደረጃ | ዴስጣ | 5 | ||
| 4 | እስቴፕሊስ ሽቦ ዓብዪ | 1ይ ደረጃ | ብፓኬት | 5 | ||
| 5 | እስቴፕሊስ ሽቦ ንእሽተይ | 1ይ ደረጃ | ብፓኬት | 5 | ||
| 6 | ፖስታ ንእሽተይ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 47 | ||
| 7 | ፖስታ ማእከላይ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 50 | ||
| 8 | ፖስታ ዓብይ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | |||
| 9 | ኣቃፊ በዓል ብረት | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 150 | ||
| 10 | ማስታዋሻ ማእከላይ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 50 | ||
| 11 | ዓብዪ ቃለ ጉብኤ 30*40 | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 6 | ||
| 12 | ማእከላይ ቃለ ጉብኤ 25*35 | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 10 | ||
| 13 | ኮላ በዓል ሓደ ኪሎ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 15 | ||
| 14 | ፕሮተኮል መዝገብ ዓብዪ 30*40 | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | 10 | ||
| 15 | ካርቦን 8000£ | 1ይደረጃ | ዴስጣ | 60 | ||
| 16 | እስቴፕለር ዓብዪ | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | 10 | ||
| 17 | እስቴፕለር ንእሽተይ | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | |||
| 18 | ክላሰር 250ግራም | 1ይደረጃ | ደሰጣ | 50 | ||
| 19 | ዓብዪ መብሽዒ | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | 6 | ||
| 20 | ማእከላይ መብሽዒ | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | 10 | ||
| 21 | ማህተም መርገጫ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 6 | ||
| 22 | ሪሞቬር መንቀሊ እስፕል | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | 10 | ||
| 23 | ፕላስተር ዓብዪ ሻራ | 1ይደረጃ | ጥቅላል | 5 | ||
| 24 | ፕሪንተር ቀለም 80ል | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 30 | ||
| 25 | ፕሪንተር ቀለም TK1160 | 1ይ RX | 406 | 10 | ||
| 26 | ፕሪንተር ቀለም IK3160 | 1ይ ደረጃ | 406 | 15 | ||
| 22 | ፕሪንተር ቀለም 26A | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 5 | ||
| 28 | ናይ ፎቶ ኮፒ ቀለም GPR18IONER | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 5 | ||
| 29 | ናይ ፎቶ ኮፒ ቀለም C/ExV42 TONER | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 5 | ||
| 30 | ፕሪንተር ቀለም 1514 | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 5 | ||
| 31 | ቀለም ናይ ማህተም | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 7 | ||
| 32 | ፕሪንተር ቀለም 53ል | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 2 |
2. ናይ ፅሬት መሳሪሒ
| ተ/ቁ | ዓይነት ንብረት | መግለፂ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | እስኮፓ መወልወሊ ፈትሊ ፉሕስ | 1ይደረጃ | ቁፅሪ | 20 | ||
| 2 | ኣስኮፓ መኮስተር ናይ ወፃኢ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 10 | ||
| 3 | ኦሞ ባዓል 200 ግራም | 1ይ ደረጃ | ግራም | 200 | ||
| 4 | ፍኒት | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 100 | ||
| 5 | መጉሓፍያ ምስ ብሩሽ /ፕላስቲክ ናይ ጓሓፍ/ | 1ይ ደረጃ | 466 | 12 | ||
| 6 | ፎጣ ኮምፒተር መወልወሊ 25*25 | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 200 | ||
| 7 | ሶፍት ሜኤንኮ ጥቅላል | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 100 | ||
| 8 | ሳሙና 250ግራም | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 100 | ||
| 9 | ኣየር ፍረሽ | 1ይ ደረጃ | ቁፅሪ | 50 |