ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/65 /2018 

ዕለት:- 15/03/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ንቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንትን ምክትል ፕሬዚደንትን ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ክልልን ፌደራልን ባንዴራ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፣፣

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 15/03/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/03/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዕለት 18/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሸጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪሎም/ ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ይኮዉን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 /ሰለስተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡