1 ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም: ንመሳርሒ ፅሕፈት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓም ዲክላሬሽን ዝገበረ ከቅርብ ዝክእል
2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : ናይ 2018 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ሰርተፊኬት ብቅዳሕ መልክዕ ምስ ሰነድ ጨረታ ከቅርቡ ዝክእሉን : 3 ሚእታዊ ዊዝ ሆልድንግ ታክሲ ክከፍል ዝክእል
3 ናይ ዝቀርብ ንብረት ዓይት ንግዲ ፈቃድ በቲ ዘርፊ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ጨረታ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነኒበይኑ ተዓሺጉ ክቅርብ ይግባእ
5 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን
6 ከይዲ ጨረታ ብዘኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር
7 ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ እንትምላእ ሽም ኣድራሽ ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ
8 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 መዓልቲ ይከዉን
9 ንሕድሕድ ጨረታ ዋጋ እንትምላእ በቲ ዝቀረበ ስፐሰፊኬሽን ክምላእ አለዎ ናይ ባዕልካ እስፐሲፈኬሽን ምእታዉ ኣይፈቀድን ግልፂ ኣይኮነን ኢሉ ምስ ዝኣምን ድማ ብኣካል ቀሪቡ ወይ ብስልኪ ክሓትት ይግባእ
10 ጨረታ መከበሪ መሳርሒ ፅሕፈት 30000 ቅርሺ : ን እንስሳት መድሓኒት 5000 ቅርሺ :መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 5000 ቅርሺ : ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር 5000 ቅርሺ : ኣቅሑት ፅሬት ዕጥቂ ስፖርት ንመሳርሒ ሕትመት ንነብሰወከፎም ንብስወከፎም 2000 ቅርሺ ብጥረ ገነዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ ምካንኩም ክንገልፅ ንፈተዉ ከምእዉን መከበሪ ጨረታ ዝልቀቅ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
12 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል
13 እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እንተሃልዎ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
14 ኣብ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ካምኣድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል
15 ጨረታ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 16/3/2018ዓም ክሳብ 30/3/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ሰራሕ ምምሕዳር ንብረትን እናመፃእኩም ኣብ ናይ ሰራሕ መዓሰለቲ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
16 እቲ ጨረታ 1/4/2018 5:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት
17 ኣብቲ ጨረታ ሰዓርቲ ምካኖም ዝተፈለዩ ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ፅሬት ብዘለዎን ብመሰረት እቲ ቤት ፅሕፈት ዘዳለዎ ዝርዝር መዓቀኒታት ማለት እዉን እስፐስፊኬሽን እንትከዉን ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ካልኦት ወፃኢታት ብምሽፋን ናብ ቤት ፅሕፈት ልማዐት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሰየምቲ ኣድያቦ ዕቀባ ንብረት ከረክቡ አለዎም
18 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914799492 / 0968926261