ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ንናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳረሒ ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
➢ ዓይነት ጨረታ
ሀ. ክ/ከ/ቀ/ወ/ት/ፋ/ ኣቀ/ጨ/መ/ ቁፅሪ ናይ ፅሕፈት መሳረሒ ኣቁሑ
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሓ
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ሻት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት ፣መፍለይ ቑፅሪ/TI/፣ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት/ከቅርቡ ዝክእሉ
2. መኽበሪ ጨረታ
➢ ብር 10,000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ከትሕዙ ዝኽእሉ
3. ዋጋ ሰነድ ጨረታ፡
ዘይምለስ ብር 200.00/ ክለተ ምኢት ብር/ ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ኸይዲ ስራሕ ዕደጋ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 14 ካብ ዕለት 11/03/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/04/2018 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፂኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፣
4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኸፈተሉን ዕለት፡-
4.1. ዕለት 01/04/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ _ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ተጫረቲ ሀይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት፣
5. ቢሮና ዝዕድጎም ኣቑሑት ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኽ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣
6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% አትሒዙ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 5 ̊ መዓልቲ ንብረት ከረክብ ዝኽእል፣
7. ስዓራይ ንዘሸነፎም ኣቑሑት ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊክሽን መሰረት ኦርጅናል ኣቁሑት ምካኖም ብዝምከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና ኣታዊ ይገብር፣
9. ቢሮና ዝሓሸ _ መማረፂ እንተረኺቡ _ ብክፋል _ ይኹን _ ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣
10. ንዝበለፀ ሓበሬታ፣- ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ከባቢ ጅቡሩኽ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 14 እዩ ንተወሳኽ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0937023598/0983526227/0966742380 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ይካኣል