ዕለት (Date) 11 /03 / 2018 ዓ/ም
ቑፅሪ (Ref.No) 127 / ዕ/ንብ/ምም-ርን- 48
ምልክታ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኸትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም ።
ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፊኬት፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቀረባ ወርሒ ቫት ሪፖርት ከቅርቡ
ዝኸእሉን ።
2. መኸበሪ ጨረታ ብር 50,000.00( ሓምሳ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።
3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ ብር 300(ሰለስተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ ።
4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ። 5.ጨረታ ካብ ዕለት 11/03/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።
6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 033 ይኸፈት ።
7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ናይ ድርጅት ማህተምን ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።
8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።
9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።
10.ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኸቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
11. ኣድራሻና ኣብ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።
12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።
ምስ ሰላምታ
0344-406747/0344-408501/0344-406839