1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ማለት ቲን ናምበር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገበ ናይ 2018 ዓም ኣብ ሰለሰተ ወርሒ ዉሽጢ ዝተሐደሰ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ክቅርብ ዝክእል 7.5 ሚእታዊ ተወሳኪ እሴት ታክስን 3 ሚእታዊ ዊዝ ሆልዲንግን በቲ መምርሒ መሰረት ኣብ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ዝከፍል
4 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ወረቅተ ዋናን ቅዳሕነ ከቅርብ ዝክእል
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ መዓልቲ ቀዳምን ሰንበትን ካልኦት ባዓለት ሐዊሱ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ክፍሊ ስቶር ክፍሊ ብዝተሐተተ ፅሬት መጠን ከቅርብ ዝክእል
6 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይቲ ትካል ሽምን ፊርማን ኣደራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሓሙሽቲኦም ምድብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረት ንነብስወከፍ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 317 ምዉሳድ ይከኣል
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ሰነድ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ መለዋወጢ 15000 ቅርሺ : ንሕትመት መሳርሒ 5000 ቅርሺ : ንፅሬት ኣቅሑትን : ሃለቅት ኣቅሑትን ቀወምትን 2500 ቅርሺ ንነብሰወከፍ ብሽም ቢሮ ፍትሕ ክልል ትግራይ ብስፒኦ ወይድማ ብግዜ ዘይተገደበ ሰርቲፋይድ ቼክ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናብ ቢሮና ተሓዚ ገንዘብ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቀርብ መከበሪ ጨረታ ካብቲ ዝተሐተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዘትሓዘ እንተኮይኑ ብዘይ ምንም ቅድመ ኮኑት ከብ ጨረታ ይሰረዝ
9 እቲ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ 10/3/2018 ዓም ክሳብ 24/3/2018 ዓም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት
10 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ናይቲ ዝዕደግ መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስከ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
11 ሰዓራይ ነቲ ዘቅርቦ ንብረት ብባዕል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛ ምኮኑ ምስ ተረጋገፂ ጥራሕ ኣታዊ ይግበር
12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344418714 0914768850 0914015536