ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል ዋና መእተዊ/ዓብይ/ በሪን ኣለሙኒየም በሪታትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ስለዚ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ መለለይ ግብሪ ከፋልነት(Ti No)፤መቕረባይነት

ስርተፊኬት፣ናይ ተወሳኺ እሴት ታክሲ(VAT) ዝተመዝገብሉ ሰርተፊኬትን ናይ መስከረም ወርሒ ቫት ዲክለረሽን ዘቕርቡ

2. ናይ ጨረታ መክበሪ CPO ናይ ብር 4,000/ብር ኣርባዕተ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝኸእሉ

3. ካብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 07 ዘይምለስ ብር 200.00( ክልተ ሚኢቲ ብር) ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 09/03/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን ንንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገብሩ።

4. ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸውን።

5. ተጫረታይ እቲ ንብረት መግዝኢ T ናይ ጉልበት /ኢዱ/ዋጋ ካሊእ ኣወ ብተጫረታይ ይሽፈን

6. ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን ኣይኽእሉን።

7. ጨረታ ዕለት 18/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት 3፡45 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይክፈትብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጓጎልን።

8. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኸፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን።

9. ጨረታ ዝሰዓረ ኣብ ጊዜ ውዕሊ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝኽእል።

10. ዘሸነፍዎ ዝተሰርሐ ንብረት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ሰራሖም/ገጢሞም/ ከረክቡ ዝኽእሉ ።

11. ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡