ማሕበር ህንፀት ማእከል ዕዳጋ ኣዶ

ምልክታ ጨረታ ናይ ሒሳብ ክኢላ

ማሕበርና ማሕበር ህንፀት ማእከል ዕዳጋ ኣዶ ካብ መስከረም 2016 ዓ.ም ብሽሙ ኣብ ባንኪ ወጋገን ኣካዉንት ከፊቱ ሒሳብ ምንቅስቓስ ጀምሩ ንእሽተይ ፀኒሑ ኣብ ባኒኪ ኣምበሳ 2 ኣካውንት ወሲኩ ኣብ ማእከል 2017ዓ.ም ድማ ኣብ ባንኪ ሕብረት 2 ኣካዉንት ብምክፋት ብጠቕላላ ኣብ 3 ባንኪ 6 ኣካውንት እናንቀሳቐሰ ይርከብ፡፡ ኣመራርሓ ቦርዲ ማሕበርና ብዝወሰኖ መሰረት ናይ ማሕበር ሒሳብ ብናይ ደገ ሒሳብ ክኢላ ከሰርሕ ስለዝደለየ ነዚ ስዒቡ ዘሎ መመዘኒ (ረቓሒ) ተማልኡ ናይ ሒሳብ ክኢላታት ክትወዳደሩ ይዕድም።

ረቛሓታት፡-

1. ሕጋዊ ፍቃድ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተረከበ

2. ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ

3. ኣብ ተመሳሳሊ ድርጅት ምስርሑ ከረጋግፅ ዝከእል

4. ብ peachtree Accounting ወይ ብተመሳሳሊ ሶፍትዌር backup ( ሶፍት ኮፒ) ከረክብ ዝክእል

5. ካብ መጀመርታ ክሳብ እቱ ዉዕሊ ዝተኣሰረሉ መዓል ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

6. ወጋ------------ብር

7. ናይቲ ጨረታ ዘቅረበ ዋጋ 10% CPO(ሲፒኦ) ከቀርብ ዝክእል

መመዝገቢ ግዜን ቦታን

ቦታ፡-ቀዳማይ ወያነ ዕዳጋ ማእከል፤ብሎክ ሀ፤ ደብሪ ፤ቢሮ ቁፅሪ 209

ግዜ፡ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀምሩ ንተከታታሊ 5 መዓልቲ ማለት ካብ 06/03/2018 ዓ.ም ክሳብ 10/03/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተጫሪቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለወሉ ይክፈት፡፡

መተሓሳሰቢ፡- ትካልና ዘሐሽ መማረፂ እንተረክቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡