ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ቤት ትልምን ፋይናንስን

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ንናይ ፖሊስ ቤት ፅሕፈት መኪና ግልጋሎት እትውዕል ናይ መኪና ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም። በዚ መሰረት ድድሕሪ ዜና ብተኸታታሊ ንክልተ /2 /መዓልትታት ንክጋወሐልና ድሕሪ ምጉዋሑ ድማ ክፍሊት ንፍፅም ምዃንና ንገልፅ።

➢ ዓይነት ጨረታ

ሀ. ክ/ከ/ቀ/ወ/ት/ፋ/ ኣቀ/ጨ/መ/ ቁፅሪ ናይ መኪና ኣቁሑ

በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሓ

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ሻት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት ፣መፍለይ ቑፅሪ/TI/፣ኣብ ዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት/ከቅርቡ ዝክእሉ

2. መኽበሪ ጨረታ

➢ ብር 15,000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ከትሕዙ ዝኽእሉ

3. ዋጋ ሰነድ ጨረቃ፡

ዘይምለስ ብር 200.00/ ክለተ ምኢት ብር/ ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ክ/ከ/ቀ/ወያነ ኸይዲ ስራሕ ዕደጋ፣ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 14 ካብ ዕለት 05/03/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/03/2018 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መጺኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፣

4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት-

4.1. ዕለት 19/03/2018 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ተጫረቲ ሀይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት፣

5. ቢሮና ዝዕድጎም ኣቑሑት ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኽ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣

6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% አትሒዙ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ

ንብረት ክረክብ ዝኽእል፣

7. ስዓራይ ንዘሸነፎም ኣቑሑት ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊክሽን መሰረት ኦርጅናል ኣቁሑት ምካኖም ብዝምከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና ኣታዊ ይገብር፣

9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣

10. ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ከባቢ ጅቡሩኽ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 14 እዩ ንተወሳኽ ሓበሬ ብስልኪ ቁፅሪ 0937023598/0983526227 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ይካኣል