ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ከባቢ ኣጂፕ ዝርከብ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ክፍቲ ቦታ ዝምልክቶም ትካላት ብምውድዳር ከካሪ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ሮቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተወዳደርቲ ናብቲ ቦታ ብኣካል ብምኻድ ብዓይኖም ክርእይዎ ይግባእ፣

2. ናይ ሕድ ሕድ ግልጋሎት ነፀላ ወርሓዊ ኪራይ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወ ሰደቓ ክምላእ ኣለዎ።

3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር30,000.00 (ብር ሰላሳ ሺሕ) ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ በቢ ዓመቱ ዝሕደስ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ዝድለ ቦታ ክርከብ ዝኸእል፣

5. ሰዓራይ ዝፍለ ናይ ሕድ ሕድ ግልጋሎት ከይኮነስ ናይ ሰለስቲኡ ዓይነት ግልጋሎት ወርሓዊ ኪራይ ድምር ውፅኢት ዝዓበየ ብምውሳድ እዩ፣

6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይኸእሉ፡

7. ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፤

8. እዚ ጨረታ ዕለት 17/03/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡

ዝርዝር ዓይነት ጨረታ

ዓይነት ቦታ/ ግልጋሎትመለክዒበዝሒጥቕል ዋጋመብርሂ
1ንመዕረፊ መኻይን (Parking) ዝውዕል (ኣስታት 100 ብ 100 ሜ.ካ ዝኾነ ቦታ)፡ብጥቕላል01
2መመዘኒ መኪና (ሓደ ጊዜ ሓንቲ መኪናክምዝን ዝኽእል ቦታ)ብጥቕላል01
3ንዕቀባ ንብረት (Store) (12 ብ 17 ሜ.ካ) ዝውዕል ገዛብጥቕላል01