መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ዓይደር

ምልክታ ፕሮፎርማ

ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ኣብ 2018ዓ/ም ብውሽጢ ኣተዊ ዝተመደበ በጀት ንቮከሽናል ትምህርቲ ኮምፒተር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ICT ናውቲ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ዝርዝር ዝዕደግ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፡፡ ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዘለዎም ረቋሒታት

➢ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ

➢ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

➢ ብቲ ሕጊ ዝዝእዝዞ ብፐርሰንት ግብሪ ዝኸፍል

➢ ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /specification/መሊኡ ከቅርብ ኣለዎ።

➢ ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ አይፍቀድን።

➢ እዚ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 02/03/2018 ክሳብ ዕለት 08/03/2018ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ተወዳደርቲ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት አቲ ሰነድ መሊኦም ማህተም ኣዕሪሮም ኣታዊ ይገብሩ፡፡

➢ እዚ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ እዋን ዕለት 08/03/2018ዓ/ም ሰዓት 4:30 ይከውን::

➢ ነቲ ትካልና ኣዋፃኢ እንተዘይ ኮይኑን ነዞም ኣብላዕሊ ዘለው ረቋሕታት ዘየማለኧ እንተኾይኑ ይስረዝ።

➢ ፀረታ ዝሰዓረ ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ ንቤት ትምህርቲ የቅርብ

➢ ክጥዒ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትውስዱ ትኽእሉ

ንዝበለፀ ሓበሬታ በዚ ስልኪ ምድዋል ይካኣል 0914003742