1 በቲ ዘፈር ንግዲ ግብሪ መንግሰቲ ከፊልኩም ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ ሰርትፊኬት ዘለኩምን ዘለኩምን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረብቲ ዘለኩምን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝብቲ ንዝኮንኩም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እን ቫት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ገይርኩም ክተቅርቡ እትክእሉ
5 ኣብ ናይ ፅሬት ኣቅሑት ሃለቅትን ቀወምቲን ንብረታት ኣብ ናይ ስራሕቲ ሕትመት እትወዳደሩ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ዘይኮንኩምን ኣካላት ክትሳተፉ ትክእሉ ምካንኩም
6 ኣብ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን : ናይ ኤሌከትሮኒክስ ኣቅሑት እትወዳደሩ መቅረብቲ ድማ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ክትኮኑ አለኩም
7 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ጥራሕ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ወርሒ ነሐሰ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ሪፖርት ወይድማ ሒሳብ ዝተወራረደሉ ሪፖርት ክተቅርቡ እትክእሉ
8 ናይ ኩሉ ዝተሐተተ ረቆሒ ቅዳሕ ምስ መጨረቲ ሰነድ መረዳእታ በፖስታ ዓሺግኩም ክተቅርቡ እትክእሉ
9 ካብ ሐደ ዘፈር ንላዕሊ ክትወደደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ንነብሰወከፈ ሰነዳት በቢናይ ባዕሎም ፖስታ ብምዕሻግ ኣድለይቲ ዝባሃሉ ናይ መወዳደሪ ረቆሒታት ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ቅዳሕ ገይርኩም ነንበይኖም ዓሺግኩም ክተቀርቡ እትክእሉ
10 ዝተማለአ ሰነድ ጨረታ ዋና ብፖስታ ዓሺግኩም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብአካል ኣታዊ ክትገብሩ እትክእሉ
11 ናይ ተደለይቲ መወዳደሪ ረቆሒታት ዋና አድላይ ኮይኑ እንተተረኪቡ አብ ዝተሐተትክምሉ ግዜ ክተቅረቡ እትክእሉ
12 ተወዳደርቲ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ማለተ እዉን ቢድቦንድ ንፅሕፈት መሳርሒን 10000 ቅርሺ :ሃለቅትን ቀወምቲን ኣቅሑት 3000 ቅርሺ : ንናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳረሒታት 10000 ቅርሺ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት 3000 ቅርሺ : ናይ ሕትመት መሳርሒታት 3000 ቅርሺ : ንስፖርት ዕጥቂ 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣስሪሕኩም ዋናን ቅዳሕን ከትሕዝ ዝክእል
13 ናይ ዝስርሑ ናም ሕተማት ኣቅሑታት ማለት እዉን ማሕተም ቀለማት ዝበሉ ከምኡ እዉን ፎቶ ኮፒን ፕሪንተርን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ቀለማት ኣብ ጥቅሚ ቅድሚ ምዉዓሎም ንከይባላሸዉ ናይ ፅሬት መረጋገፂ ዉሕስና ማለተ እዉን ጋራንቲ ብደብዳቤ ከረጋግፀልና ዝክእል
14 ጨረታ ወጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ጀሚሩ 25 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ይከዉን
15 ዝሰዓረ ሕፁይ ምስ ሰዓረ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓርክምዎ ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእል
16 ብናይ ባዕልኩመ መጎዓዝያ ተጠቂምካም ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ እንዳባጉና ቀበሌ 01 ሐዱሽ ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 34 ብኣካል ክተቅረቡ እትክእሉ
17 ቤት ፅሐፈትና ማለት እዉን ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ካብ ነፀላ ኣቅሓ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳከ ወይ ምንካያ መሰል አለዎ
18 ናይዚ ዝርዝር ዘሐዘ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ እንዳባጉና ቀበሌ 01 ሐዱሽ ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 34 ኮይኑ ንነብሰወከፍ ዘፈር ዘይምለስ 100 ቅርሺ ከፊልኩም 4/3/2/2017 ዓም ክሳብ 18/3/2018 ዓም በተከታተልቲ መዓልቲ ኣብ ዘሎ ስራሕ ግዜ እንዳመፃእኩም ክትወስዱ ከምትክእሉ ንሕብር
19 እቲ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ 4/3/2/2017 ዓም ክሳብ 18/3/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ስነ ስርዓት ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን ወይ ከይተከፈተ ዝመለስ ጨረታ ሰነድ ኣይህልዉን
20 ኣብነብሰወከፈ ገፅ ሰነዳ ሕጋዊ ማህተም ተጫረቲ ክዓርፎ አለዎ
21 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914250185