ዕለት 02/03/2018 ዓ ም
ቑፅሪ ት/ፋ/ 6 /ፕ-ጨ/01
ምልክታ ዋጋ መቅረቢ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 03/2018 ዓ/ም
ቢሮ ፋይናንስ ምትሕብባር ሃፍትን ንበዓል መዚ ተቖፃፃሪ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ካብ መደበኛ በጀት ዝክፈል ናይ መኪና ጎማ ኣቑሑት ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉፋ ትኽእሉ/ላ፡፡
መምርሒ ተወዳደርቲ ተጫረቲ/
1. ናይ ዘመኑ 2017/18 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም፡፡
2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ፣
3. ናይ ግብሪ ክፈላይ ቁፅሪTIN ዘለኩም፡፡
4. ናይ 2017/18 ዝተሓደሰ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ዘለዎ፣
5. 3% withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
6. ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ መዓልቲ እቲ ዝድለ ናይ መኪና ጎማ ኣቑሑት ክተቅርቡ ትኽእሉ ነጋዶ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቁፅሪ /TIN መለለይ ቁፅር ኹምን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽም፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 02/03/2018 ዓ/ም ክሳብ 04/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ክተቕርቡ ክትወዳደሩ ትኽእሉ።
7. እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 04/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 10፡30 ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ይክፈት"
8. ሳዓርቲ እተቅርብዎ ናይ መኪና ጎማ ኣቑሑት ቅቡልዝግበር ብናይ ቢሮና ኤንስፔክተር ተሽከርከርቲ ብዘተጠየቀ ሰፐስፊኬሽን ምካኑ ምስ ተረጋገፀ ኣታዊ ይከውን።
9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 07 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን።
11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914775963 ደዊልኩም ምሕታት ይኽእሉ።
| ተ.ቁ | ዝድለ ዓይነት ንብረት Material | መፍለይ ቁፅሪ | መዐቀኒ | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | መብርሂ | |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳ | ||||||
| 1 | ብርጅስቶን ጎማ ፍሩይ ጥርሲ | 205C R16 /697 | ብቁፅሪ | 05 | |||