ምምሕዳርን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዘለዎን

3 ናይ 2017ን 2018 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፈኬት ከቅርብ ዝክእልን

4 ናይቲ ትካል በዓል ዋና ሕጋዊ ማሕህተም ተገይርሉ ዋናን ቅዳሕን ነንብይን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

5 ተወሰኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ 2018 ዓም መስከረም ወርሒ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 እቲ ጨረታ ካብ 28/2/2018 ዓም ክሳብ 15/3/2018 ዓም አብ ዘሎ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮይኑ እቲ ጨረታ 15/3/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ ቅድሚ ተወዳደርቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዝክፈት ኮይኑ እንተዘይተረኪቦም ድማ ንምክፈት ኣይዓግትን

7 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 20000 ቅርሺ ንኣቅሑት ፅሬት 2000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፖኦ ከትሕዝ ዝክእል

8 ሰነድ ጨረታ ንሕድሕድ ዋጋ ዘይምለስ 200 ብምክፋል ካብ ቢሮ ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ይክኣል

9 እቲ ምልክታ መክፈቲ መዓልቲ ቀዳም ሰንበት ወይድማ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

10 ሰዓራይ ሰዓርይ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ፅሬቱ ዝተረጋገፀ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ከረክብ ዝክእል

11 እቲ ክፍለ ከተማ 20 መእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ