1 በቲ መስመር ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን።
2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማ ክህልዎ ኣለዎ።
3 ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ/ቫት/ዝኾንኩም ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ3 ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ዘሎ ናይ ሓደ ወርሒ ቫት ድክለረሽን ዘቅርብ ።
4 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ እትኽእሉ።
5 ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ክተቕርቡ እትኽሉ
6 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ በባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል :
7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝትቓለሐሉ/ዝተለጠፈሉ/ዕለት 25/2/2018 ዓም ጀሚሩ ዘይምለስ 300 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ከ/ስ/ህ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 28 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ። ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 40 መዓልቲ እዩ
8 ተጫረቲ እቲ ጨረታ መክፈቲ ዕለት 5/3/2018 ዓም ሰዓት 9:30 እንትከዉን ድሕሪ ሰለት ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ማዕልቲ ዉዕሊ ንብረት ዘቅርቡን ክኮኑ አለዎም
9 መከበሪ ዉዐሊ አፈፃፅማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ዝሐዘ ኮይኑ ዉዕሊ ብዝአሰርዎ መሰረት ኦርጅናል ንብረት ምሰኣቅረቡ ይልቀቀሎም
10 ተጫረቲ ንሐደ ዓይነት ኣቅሓ ዝምለእዎ ዋጋ ማዕረ እንተኮይኑ እቲ ንብረት ማዕረ ተማቂሎም ዘቅርብዎ ይከዉን ሓኒት ንብረት ንዝኮነት ብዕጫ የቅርቡ
11 ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ግልፂ ኮይኑ ብናይቲ ትካል ላዕለዋይ ሓለፊ ተፈሪሙምን ተሓቲሞምን ምስ ሙለእ ኣድራሽኡ ሰነዱን ይቀረብ
12 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 25/2/2018 ዓም ክሳብ 5/3/2018 ዓም ሰዓት 9:00 እዩ
13 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚእታዊ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
14 ሳንዱቅ ጨረታ 5/3/2018 ዓ/ም ስዓት 9፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት
15 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልከታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 25/2/2018 ዓም ጀሚሩ ንተከታታሊ 10 መዓልቲታት አብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ አበርገለ የጭላ ቀዳማይ ደብሪ ክፍሊ ቁፅሪ 28 ብምክያድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ
16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0963509643 0914396290