ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ብምልጣፍ ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ከተሓሕዝ ዝኽእል

2. ፕሮፎርማ ብምልጣፍ ኮይኑ ካብ ዕለት 27/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/03/2018 ዓ/ም 3፡30 ተዓሽጉ 4፡00 ንጉሆ ይኸፈት ፡፡

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7 ̊ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፎርማ

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል "

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ።

ምስ ሰላምታ