ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ቁፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ሮን/19 /35 ዕለት 26/02/2018 ዓም

ምልከታ ግልፂ ጨረታ

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንናይ ኮሌጅና መኪና ፅገና ግልጋሎት ናይ 2018 ዓ/ም በጀት ዘመን አዋዳዲርካ ውዕሊ ንምእሳር ንገራዥ ደረጃ 3ተ ልዕሊኡን ተወዳደርቲ ዝወፅአ ምልከታ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት ኣማሊእኩም ንከትወዳደሩ ንዕድም ።

አብቲ ጨረታ ከሳተፍ ዝድሊ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቛሕታት

1) ናይ ገራዥ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቐርብ ዝኽእል።

2) ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN No) ዘለዎ ።

3) ተወሳኺ እሴት ታክሲ (VAT)ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ን ፣ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዲክለር ዝገብሩ ምዃኖም ዝሕብር መረዳእታ ከቕርብ ይግባእ።

4) አብ መንግስታዊ ቤት ዕዮ አብ ዝፍፀም ግልጋሎት ንምስታፍ ኣብ ናይ መኪና ፅገና ግልጋሎትን መቅረብቲ ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለዪ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ እለዎም፡፡

5 ) ቕድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00(ሰለስተሸሕ ብር) ብናይ ኢትዮጰያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ባንከታት ስ.ፒ.ኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ።

6) ንጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 50.00 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 25/2/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/3/2018ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ዋጋ መሊኦም ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቕ ዝተዳለወ አታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

7) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 17/3/2018ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ ረታ ሳንዱቕ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 17/3/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ይኸውን።

8) እቲ ኮሌጅ ካብቲ አብ ጨረታ ሰነድ ካብ ዝሓተቶም ግልጋሎት ከም ኩነታቱ 20% ኸውስኽን ኽቅነስን ይኽእል እዩ።

9 ) ጨረታ እንትኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም፡፡

10) አብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዝሓዘ ስርዝ ድልዝ አይፍቀድን ሓበሬታ እንተሃልይዎም አብ መብርሂ ይሓቡሩልና።

11) እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12) ተጫረቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ዘቕርብዎ ዋጋ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ለውጥን ወይ ድማ ምምሕያሽ ዘይከአል ምዃኑ ባዕሎም ካብቲ ጨረታ ምግላል ዘይከአል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ።

13) አሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ 5000 ውዕሊ መኽበሪ ኣትሒዙ አብ ውሽጢ 5 መዓልትታት ውዕሊ አሲሩ ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል።

አድራሻና፡-

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ዝርከበሉ ቦታ አብ ማእኸል ጥዕና ጣብያን ፎቶ ደስታን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 94 67 ወይ ሞባይል ቁፅሪ 09 14 413007 ወይ ድማ 0914748720 ምድዋል ይከአል