ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

ቁፅሪ ..../01/2018ዓ/ም

ዕለት 26/02/2018 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ህንፀት መቐለ ካብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ዝኸፈል ፅሕፈት መሳርሕን ህንፃ መሳርሕን ንብረት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ በቢ ስራሕ ዘርፉ ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን መቕረባይነትን ኮፒ ከቕርብ ዝኸእል ብተወሳኺቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎን ናይ መስከረም 2018ዓ/ም ድክሌር ዝገበረን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል

2/ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒን ንህንፃ መሳርሕን ነንሕድሕዱ 3000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም

3/ ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖም ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ተመሊኡ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ እቲ ዋጋ ዝተመልአ ኮፒብምግባር እቲ ኦርጅናልን ኮፕን ነንበይኑ ብ2ተ ፖስጣ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ስ ዕፋን ምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይኽእሉ

4/ ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ተቕባልነት የብሉን ብተወሳኺ ንዝወፀ እስፐስፍኬሽን ኣማሊኡ ዘይተረኸበ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ዉድቂ ከምዝግበር ክፍለጥ ኣለዎ

5/ ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 26/02/2018ዓ/ም ክሳብ 11/03/2018ዓ/ም ሰዓት 3.00 ዘይምለስ 100 ብር እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 11/03/2018ዓ/ም ሳዓት 3.30 ተዓፅዩ ሳዓት 4.00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኽፈት

6/ ሰሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቕላላ ዋጋ ዝሰዓሮ 10%መኽበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝን መራገፍን ምስኣቕረበ ካብ ዘቕረቦ ንብረት ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 20.000ብር እንተኾይኑ 3‰ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይኸፍል

7/ መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሱ ዝተሓለወ ኮይኑ ካብቲ ዝርዝር ንብረት20% ክዉስኸ ወይ ክቅንስ ይኽእል እዩ

8/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0975452063/0914120805 ምሕታት ይከኣል

ቤት ህንፀት መቐለ