1 ናይዚ ዘበኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን: ወረቀት ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ እትክእሉ
2 መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ክተቅርቡ እትክእሉ
3 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ግብሪ ቁፅሪ ቲን ምምዝጋብኩም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
4 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ሒሳብ ዘቅረብክምሉ መረዳእታ/ዲክለር ዝገበርኩም/ ክተቅርቡ እትክእሉን
6 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
7 ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ኢንቭሎፕ ቴክኒካለ ሰነድ ሐደ ዋናኡን ሐደ ፋይናንሻልን ሰነድ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
8 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክሳብ 5/3/2018 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ ልክዕ ቅ/ ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይክፈት
9 ሰዓራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር ማለት እዉን እሰፐስፊኬሽን መሰረት ከቅርብ ይግባእ
10 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዳይሬክቲሪት ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ፋይናንስን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
11 ቅድም ክብል ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ መረዳእታ ተታሒዙ ክቀርብ አለዎ
12 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
13 ተጫረቲ ዋጋ ዝመልእሉ በቲ ተቀሚጡ ዘሎ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ዝርዝር መግለፅን መለክዕን በዝሕን ክከዉን አለዎ
ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ዓዲ ሽንዱሕን ማይ ኣምስ ናብ ኢድ የማን ሐደ ሚኢቲ ሚትሮ እትዉ ኢልካ ንርከብ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0910385045