ቁፅሪ፡613/05/ዕ/ን/ምም/ርን/18
ዕለት፡- 25/02/2018ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ን2018 በጀት ዓመት ንኣብያተ ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝውዕል ካብ መደበኛ በጀት ናይ ስፖርት ዕጥቂ፣ ፅሕፈት መሳረሒ፣ፅሬት መሳርሒ፣ሕትመት፣ ኤልክትሮንክስ ፣ፈርንቸር ናይ ቢሮ ኣቁሑት፣ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑቲን መኪና መለዋወጢ ኣቁሑቲን /ስፔር/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ ዝርዝር ረቑሓታት እተማልኡ ሕጋውያን መቅረብቲ (ተጫረቲ) ንክትወዳደሩ ንዕድም።
በዚ መሰረት ናይ ተጫረትቲ መምርሒ
1. ተጫረቲ ናይ እትወዳደርሉ ዘርፊ ንግዲ ኣብ ፖሰታኩም ውሽጢ ናይዚ ዘመን ዝተሓዳሰ
ንግዲ ሰራሕ ፍቓድኩምን ፤ መቅረባያይነትን ካርዲ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።
2. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር ፣ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን'ዩ።
3. ተጫረቲ ብዘይካ ንስፖርት ዕጥቂ ፣ፅሬት ኣቁሑት፣ ሕትመት፣ ኤሌክትሮንክስ፣ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑቲን ካልኦት ኣቁሑት ዝወዳዱ ተጫረቲ ሻት /value added tax/ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ መስከረም ወርሒ 2018ዓ/ም /Declaration/ ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቅርቡ ወይም ብፌደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምም/ር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝተመዝገበሉ መረዳእታ ዘቅርብ ።
4. ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ዘይምለስ ብር 300 (ሰለስተ ሚእቲ – ብር) ጥራሕ እናከፈሉ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 25/02/2018ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 09/03/2018ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክወስዱ ይኽእሉ።
5. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፣ፊርማ፣ ኣድራሻ፤ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ፡፡
6. ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊኢካ
ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን። ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ኣብ ሕድ ሕድ ማተርያል ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቐ ትክክለኛ ነፀላ ዋጋ ከቀምጥ ኣለዎም።