ቤት ፅ/ት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣበርገለ የጭላ

ቁፅሪዕ/ን/1/1101/2018

ዕለት25/02/2018ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ ኣብ በጀት 2018 ዓ/ም ንዝተፋላለዩ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

መምርሒ ተጫረቲ

ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ከ/ስ/ፅ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ ኣብ በጀት 2018 ዓ/ም ንዝተፋላለዩ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ከ/ስ/ፅ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

✓ ንልዕሊ 500,000 ብር ዝዋግኡ እትጫረቱ ተጨረቲ

• በቲ መስመር ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን።

• እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ።

• ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ/ቫት/ዝኾንኩም ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ3 ወርሒ ወይቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ዘሎ ናይ ሓደ ወርሒ ቫት ድክለረሽን ዘቅርብ ።

• ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ እትኽእሉ።

• ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ቁፅሪ /IN/ ናምበር ክተቕርቡ እትኽእሉ።

• ንጨረታ መኽበሪ 10000/ዓሰርተ ሽሕ/ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ። ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝትቓለሐሉ/ዝተለጠፈሉ/ዕለት 25/02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 300 /ሰለስተ ሚእቲብር ናይ ሓደ ደኩመንት ዋጋ ብምኽፋል ንተኻታታሊ 10 መዓልቲታት ካብ ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 28 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ።

• ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 40 ማዓልቲ

• ድሕሪ ምዕፃው ጨረታ ሳንዱቕ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ።

• ተጫረቲ እቲ ጨረታ መኽፈቲ ዕለት 05/03/2018 ዓ/ም ምዃኑ ፈሊጦም ድሕሪ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕሊ ዝኣስሩን ንብረት ዘቕርቡን ክኾኑ ኣለዎም።

• ምኽበሪ ውዕሊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ዝተሓዝ ኮይኑ ውዕሊ

• ብዝኣሰርዎ መሰረት ኦርጂናል ንብረት ምስ ኣቕረቡ ይልቀቐሎምን።

• ተጫረቲ ንሓደ ዓይነት ኣቕሓ ዝመልእዎ ዋጋ ማዕረ እንተኾይኑ እቲ ንብረት ማዕረ ተማቒሎም ዘቕርቡ ምዃኖም ።ሐንቲ ንብረት ንዝኾነት ብዕፃ/ብዕጫ/የቅርቡ

• ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ/ኦርጂናልን ኮፒን/ተዓሽጉ ዝቐርብ ኮይኑ እቲ ዝተመልአ ዋጋ ግልፂ ኮይኑ ብናይቱ ድርጅት ላዕላዋይ ሓላፊ ተፈሪሙን ማህተም ዓሪፍዎን ምስ ሙሉእ ኣድራሽኡ ሰነዱን ይቐርብ።

• ምልክታ ኣብ ኣየር ዝፅንሐሉ ካብ ዕለት 25/02/2017 ዓ/ም ክሳብ 05/03/018 ዓ/ም ስዓት 9፡00 ድሕሪ ስዓት እዩ።ቤት ፅ/ትና 20 ፐርሰንት ምዉሳኽን ምቅናስ ዝተሓለወ እዩ፡፡

• እቲ ጨረታ ሰነድ መረክቢ እዋን ዘብቀዐሉ ግዜ ዕለት 05/03/018 ዓ/ም ይኸውን። ስዓት 9:00 ድሕሪ ስዓት ተዓፅዩ ብተማሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:30 ኣብ ቤት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወ/ኣ/የጭላ 1፥ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 28 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይኽፈት።