1 ናይ 2017 ን 2018 ዓም ግበሪ ከፊሎም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ቲን ናመብረን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይ ሰርተፈኬትን ኮፒ
3 ቫት ምዝጉባት ዝከንኩም ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለሪ ዝገበርኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 4 ክወስዱ ይክእሉ
5 ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ዓይነት ጨረታ መክበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 2000 ብር ናይ መኪና ጎማ 5000 ብር ናይ ፅሬት መሳርሒ 2000 ብር ንሕትመት 2000 ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
6 ጨረታ አብ አየር ዘፀንሐሉ ካብ 19/2/2018 ዓም ክሳብ 4/3/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት ንሱ 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት
7 ሰዓራይ ተጫራቲ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር እቲ ዝሰዓሮ ንብረት በዉዕሉ መሰረት ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን መራገፍን ኣታዊ ዝገብር
8 ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሕድሕድ ንብረት 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
9 ሰዓራይ ተጫረቲ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ዉዕሊመከበሪ ከትሕዝ ዝክእል
10 ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ኣብ ሐደ ፖሰታ ብምዕሻግ አብቲ ልዕሊ ጨረታ ዝጫረትዎ ዓይነት ጨረታን ናይ ተጫራቲ ሽምን ፊርማን ማህተምን ገይሩ ዘቅርብ
11 ሰዓራይ ተጫራቲ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 16 መዓልቲ ናብ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ንብረት ክፍሊ ብናየ ባዕልኩም መፅዓንን መራገፍን ከረክብ አለዎ
12 ተጫረቲ ኣበ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታን መምርሒ ጨረታ ማሀተም ክገብርሉ ይግባእ
13 ናይ ሕትመትን ፅሬት ኣቅሑትን እተወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ዘይምዝጉባት ክትሳተፉ ትክእሉ ኢኩም ንፅሕፈት መሳርሐን ናይ መኪና ስፔር ፓርትን ትወዳደሩ ግን ቫት ምዝጉባት ጥራሕ ክትኮኑ አለኩም
14ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0943668925