ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ቁፅሪ ቃላ 01/03/1156 /2018

ዕለት 24/02/2018 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ንተምሃሮ ቀለብ ዝኸዉን ፃዕዳ ጣፍ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም::

ተደላይ ረቛሒታት ዝርዝርከም ዝስዕብ ይኸውን

➢ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ቲን ምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶኮፒ ገይሮም ከትሕዙ ኣለዎም።

➢ ሻት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መሰከረም ወርሒ 2017 ዓ/ም ዲክላራሰዮን ከቕርብ

➢ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ናይቲ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ ብሰፒኦ (CPO) 10,000 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ከቕርብ ዝኽእል።

➢ አብ መዘርዝር እስፐሲፍኬሸን /ብዝቐረቡ ጥራሕ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ኢዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ውዕል ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ እዚ ጨረታ ክመልእዎ ከለዉ እቲ ዋጋ ምስ ዝቱ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ይሕብሩልና አንተዘይሓቢሮም ምስ ቫቱ ከምተመልአ ተገይሩ ይውሰድ።

➢ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ።

➢ ሰዓራይ ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ ንሓደ ዓመት ብናይ በዓሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ እቲ ጨረታ ቤት ትምህርትና 20% ናይቲ ንብረት ምቕናስ ንምውሳኽን ይኽእል እዩ፡፡

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 (ሚእቲ ቅርሺ ጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ቢሮ ቑፅሪ 25(ገንዘብ ተሓዚት እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጉሆ ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ክሳብ 1000 ምውሳድ ይከኣል፡፡

➢ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰልና ዝተሓለወ እዩ፡፡

➢ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 24/02/2018 ዓ.ም ክሳብ 08/03/2018 ዓ.ም ፀኒሑ፡ ዕለት 08/03/2018 ዓ.ም ሰዓት 400 ታዓዕዩ ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሸ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

NB ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0945462700/0914763004 ደዊሎም ምሕታት ይከአል እዮ።