ጣብያ ጥዕና መቐለ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ጣብያ ጥዕና መቐለ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ሕትመትን ፅሬት ቑሑትንብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። በዚ መሰረት ኣብቲ ፕሮፎርማ ክትሳተፉ ትደልዩ ሕጋዊ ነጋዶበዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

• ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ዘሐደስኹምን

• ናይ ግብሪ ኸፋላይ መለለይ ካርድ (Tin Id) ዘለኩም

• ዝተጠቐሱ ኣድለይቲ ዶክመንት ኮፒፊርማን ማህተምን ብምዕራፍ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግን ኣብ ጣብያ ጥዕና መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 35 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ የእትው።

• ምልክታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ካብ 24/02/2018ዓ/ም ክሳብ 28/02/2018ዓ/ም

• ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት መአዘዚ ደብዳቤካብ ዝተፅሓፈሉ ዕለት ኣብ ዘሎ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ጣብያ ጥዕና መቐለ የቕርብ።

• ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ዕድጊት ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው 'ዩ።

• ኣድራሻና ጣብያ ጥዕና መቐለ ቀበሌ 17 ፊት ንፊት ኖታ ህንፃ

ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344400210 ይጠቐሙ።