ግልፂ ጨረታ
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ሳኒተሪን ካልኦት ኣብ ዝርዝር ዘለዎ ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 200.00 (ክልተ ሚእቲ) ብምኽፋል ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ።
2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን II ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ።
3. ሻት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።
4. ናይ ወርሒ ነሓሰ ሻት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
5. ጨረታ መኽበሪ ብ C...O.ወይ ብጥረ ገንዘብ 3,000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ።
6. ዝተኣዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ 15ተ መዓልቲ ብውዕሊ መሰረት የረክቡ፡፡
7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 22/02/2018 ክሳብ 03/03/2018 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኸፈት ፡፡
8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::