ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/ 22 /2018 

ዕለት:- 21/02/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ናይ ፕሬዚደንት ፀሓፍቲ፡ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ቢሮ መስኮት መጋረጃ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ብምዕዳግ ከስርሕ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 21/02/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/02/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዕለት 26/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ይኮዉን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ ክልተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡