ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨው

ቑፅሪ 132- -ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር

ዕለት _ 20/02/2018 ዓ/ም

ም ል ክ ታ ጨ ረ ታ

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨው ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ማይ ብረትን ፕላስቲክን መገጣጠሚታትን ናይ ማይ ቆፀርቲ፣ ናይ ቴክኒክ ኣቑሑት፣ ናይ ዕ/ት መሳረሒ፣ ናይ ፅሬትን ናይ ኤሌትሪክን ናይ ማይ ኬሚካል ክሎሪን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ንዘሟልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ከጫርት ይዕድም።

1. ቫት ተመዝገብቲ ክትጫረቱ ትኽእሉ።

2. ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈለን መረጋገፂ ዘቕረበ።

3. ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ዘቕርብ።

4. ናይቶም ንብረት ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዝሓዘ ንምውሳድ ዘይምለስ ብር 150.00/ ሓደ ሚኢቲን ሓምሳ ብር/ ብምኽፋል ካብ ዕለት 21/02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ ‹‹1›› ብምውሳድ ዋንኡን ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ምእሻግ ናይ ተጫረቲ ሽምን ፊርማን ማሕተምን ብምዕራፍ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ይክኣል።

5. ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን። ብስክርቢቶ እምበር ብእርሳስ ክፅሓፍ የብሉን።

6. ጨረታ ተጠቂዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት21/02/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት5/03/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡00 ይኸውን፡፡

7. እቲ ጨረታ ዕለት 5/03/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3:40 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ማይ መገጣጠምን ቆፀርትን ኣብ ከተማ ማይጨው ይኽፈት ናይ ፅሕፈት መሳረሕን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ኤሌትሪክን ኬሚካል ናይ ማይ ክሎሪን ድማ ዕለት 5/3/2018 ዓ/ም ስዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 8፡20 ይክፈት።

8. ኣብቲ ጨረታ እዋን ንምርካብ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ተጫራቲ ብቁዕ ምኽንያት ኣቐዲሙ እንተቕሪቡን ናይ ጨረታ ረቋሒታት ኣሟሊኡ እንተሊኢኹን ክኽፈት ይኽእል።

9. ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ናይ ማይ መገጣጠምን ቆሀርትን ብር1 0000/ዓሰርተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ  CPO የትሕዙ። ናይ ፅሕፈት መሳርን : ናይ ፅሬት ድማ ብር 5000/ሓሙሽተ ሽሕ/ ናይ ማይ ኬሚካል ክሎሪን ብር 3000/ሰለስተ ሽሕ/ ናይ ኤሌትሪክ ብር10000/ዓሰርተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO የትሕዙ።

10. ተጫረቲ ናይ ዝስዓርዎ ንብረት ጠቕላላ ዋጋ 10% መኽበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ

11. ስዓርቲ ተጫረቲ ዝስዓርዎ ንብረት ካብ ዕለት 15/03/2018 ዓ.ም ጀሚሮም ውዕሊ ብምእሳር ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይ ከተማ ማይጨው ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ፡፡

12. ተጫረቲ ዝስዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ውዕሊ ዝኣሰርዎ መዓልቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣታዊ እንተዘይገብሩ ንመኽበሪ ውዕሊ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ብቕፅዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግበር።

13. ክፍሊት ብዝምልከት ድማ ንብረት ምስ ኣረከቡ ሒሳቦም ሙሉእ ብሙሉእ ብሓደ ግዜ ይኽፈል።

14. ኣብ ዝቐርብ ንብረት ወካሊ መርአያ ወይ ሳመፕል ከቕርብ ኣለዎ።

15. ቤት ፅሕፈትና ተጫረቲ ኦርጅናል ዘይኾነ ንብረት እንተቕሪቦም ናይ ምምላስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

16. ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

17. እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምውሳኽ ናይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ።

18. ጨረታ ንምዝባዕን ንምርባሽን ዝፈተነ እቲ ቤት ፅሕፈት ብቐጥታ ካብ ጨረታ የባርር እዩ

19. ተወዳደርቲ ድሕሪ ምሽናፎም ጨረታ ጥርዓን ናይ ምቕራብ መሰሎም ዝተሓለወ ምዃኑ።

20. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 09-53-17-67-49 ወይ ከዓ 03-47-77-12-76 6 ግዜ)

ይክኣል።