ቑፅሪኮ/ኢ/ኮ/ት/ግኮ/ጨ002/2018
ዕለት20/2/2016ዓ/ም
ም ል ክታ ግልፂ ጨረታ
ኮምሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ቅነ ኢንቨስትመንት ኢሉ ኣብ ዝሰየሞ ቅንያት ኢንቨስትመንት ፕሮጀክትታት ኢንቨስትመንት ዝሳተፍሉ ባዛርን ኤግዚብሽ፤ ፓነል ምይይጥን ዑደትን ንምክያድ ኣብ 2018 ዓ.ም " ኢንቨስትመንት ንሕውየት ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቅነ ኢንቨስትመንት ንምስላጥ ኣብ ምንቅስቓስ ስለዘሎ ኣብይ ክትሳተፉ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ረቛሒታት ሰነድኩም (ፕሮፖዛልኩም) ብምቕራብ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ዝርዝር ናይ ጨረታ ረቋሕታት
1. ኣብ ኩነት ምድላው (ብEvent Organizer) ናይ ዘመኑ ዝተሓደ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስራሕ ልምድን ዘለዎ ኮይኑ በዚ ዘርፊ ናይ 2017/2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእልን
2. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ታክስ ክሊራንስ ከቕርብ ዝኽእልን፤ቲን ናምበር ዘለዎን
3. ሕጋዊ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል
4. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምኳኑ ብግልፂ ከቕምጥ ኣለዎ ብግልፂ እንተዘይተቐሚጡ ግና ቫት ከም ዝሓወሰ ጌርካ ይውሰድ
5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ መረዳእታ ምንም ዓይነት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ኣብ ዝተመልአ ጨረታ ሰነድን ፖስታን ስሩዕ ማህተም ዘዓረፎን ከኸውን የግባእ
6. ዓበይቲ ዓለም-ለኻዊ፣ ሃገራውን፣ ክልላውን ፋይዳ ዘለዎም ኩነት ኣብ ምድላው (Events) ልምዲ ዘለዎን ናይዚ መስክር ወረቐት ከቕርብ ዘኽእልን፤
7. ነቲ ዝካየድ ኤግዚብሽንን ዝካየዱ ዘድሊ ሙሉእ መሳርሕታት ከቕርብ ዝኽእልን እቲ ፕሮግራም ካብ ቅድመ ምድላው ጀሚሩ ክሳብ ፍፃመ ብዘተሳኸዐ መንገዲ ንክሳለጥ ኣግባብ ኣፈፃፅምኡ ብዝርዝር ዝሓዘ ዝርዝር ፕሮፖዛል ከቕርብ ዝኽእክል
8. ትርጉምን ክብደትን እቲ መድረኽ ኣብ ግምት ዘእተወ፣ ግልፂ ዝኾነ፣ ሓደሽቲ ሓሳባትን ፈጠራታትን ዝሓዘ፣ ንቲ መድረኽ ዝኾኑ ሓደሽቲ ቴክኖሊጅታትን ኣቑሑትን፣ ኣብ ኢንቨስትመንት ትግራይ ርኡይ ኣበርክቶ ዘለዎን ፕሮፖዛል ከዳሉ ዝክእል፤
9. እቲ ቅነ ኢንቨስትመንት ካብ ቕድመ-ምድላው ጀሚሩ ክሳብ ፍፃመ ብዝተሳኸዐ መንገዲ ንክሳለጥ ምሉእ ናይ ምሕደራ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ዝኽእል፤
10. መቕረብቲ ትካልት እቲ ዘተሐዝዎ መኽበሪ ጨረታ ብር 15,000.00 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሺሕ ብር/ ክሳብ ውዕሊ ዝእሰር ዘግልግል ኮይኑ ውዕሊ ምስኣሰሩ ንመኽበሪ ዉዕሊ/ ፐርፎርማንስ ቦንድ/ 10% ናይቱ ዝሰዓሩዎ ድምር ዋጋ ምስ ኣትሓዙን ዝልቀቕ ይኸውን። መኽበሪ ጨረታ ናይ መኽበሪ ውዕሊ ኣፈፃፀማ ስራሕ CPO ምስ ኣትሓዙን ውዕሊ ኣሲሮም ብላዕለዋይ ሓላፊ ምስ ዝፈረሙይልቀቐሎም።
11. ተጫረቲ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 300/ሰለስተ ሚአቲ/ ብምኽፋል ካብ ኮሚሽና ግልጋሎት ኮርፖሬት ከወሰድ ይኽእል
12. ናይ ኮምሽን ሕጋዊ ኣንፈትን መምርሕን ኣክቢሩ ብልዑል ህዝባዊ ሓላፍነት ክሰርሕ ዝኸእል፤
13. ሰዓራይ ምስ ተነፀረ ኣብ እዋን ምፍፃም ውዕሊ ናይ ዋጋ ምስትኽኻል ክፍፀም ከም ዝኽእል ኣሚኑ ዝወዳደር
14. ሰዓራይ ኣካል ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ብውዕሉ መሰረት ክሰርሕ ዝኽእል፤
15. እዚ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 20/02/2018 ዓ.ም ክሳብ 09/03/2018 ዓ.ም ኮይኑ ኣብ መወዳእታ መዓለቲ ዕለት 09/03/2018 ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ኣበቲ ዕለት ሰዓት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ደማ ሐጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘተረኸብሉ ዝኽፈት ይኸውን ተወዳደርቲ ወይ ወኪሎም ተዘይተረኺቦም ግና ኣብ ዘየለውሉ ዝኽፈት ይኸውን ።
16. ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
17. ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ረቛሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ናይቶም ረቛሕታት ሰነዳትን ፕሮጀክት ፕሮፖዛልን ዓሺግኩም ኦርጂናልን ኮፕን ነኒበይኑ ተዓሺጉ ኣብ ትሕቲ ፕላኔት ሆቴል ህንፃ ማርዳ ሪል እስቴት ሻድሻይ ደብሪ ዝርከብ ናብ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ትግራይ ግልጋሎት ኮርፖሬት ኣታዊ ክትገብሩ ነፍልጥ፡፡
መዘኻኸሪ
ኣብቲ ዝካየደ ጨረታ ውድድር ሞያዊ/ቴክኒካል/ ብቕዓት ብዝተቐመጠ መገምገሚ ረቋሒ መሰረት ተገምጊሚ ዘረኸቦ ውፅኢት ካብ 50% ብምሕሳብን ንሕድሕድ ዝፍፀሞ ዘእተዋ ናይ ፋይናንሻል ማእኸላይ ዋጋ 50% ተሓሲቡ ሰዓራይ ዝፍለጥ ምኳኑ ምርዳእ የድሊ፡፡ስለ ዝኮነ ተጨረቲ ፋይናንሻልን ሞያዊ በቕዓቶምን ዝገልፅ መረዳእታን ዝተመለኣ ሰነድ ጭረታን በበይኑ ብምዕሻግ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ