መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ኩባንያና መስፍን ብረታ ብረት እና ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ብዕደጋ መሕተቲ ሰነድ ቑጽሪ 466308 ዝተሓተተ ዝተፈላለዩ ናይ ድሕነት መከላከሊ/Safety Materials / ኣቑት ዝርዝር ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ እቲ ዝርዝር ንብረት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን -

1. Hand Glove for Maintenance Job Pair 3000

2. Nose and Mouse Mask for Corona Pieces 2000

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ እናዓደምና ናይቲ ጨረታ ረቛሒ

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2017/2018 ዓ ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳትን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ሓደ ዋጋ ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 13/02/2018 ዓ.ም ክሳብ 27/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ከእትዉ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ (CPO) ብር 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ ብር) ምስ ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ፡፡

4. ጨረታ ዕለት 27/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መኽፈቲ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን።

5. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን። ጨረታ ዶክመንት ንሕድሕድ ገፅ ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

6. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ።

7. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።

8. ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉ ተጫረቲ ድምርን ካልኦት ጌጋታት እንተሃልዩ ተጫራታይ ሓላፍነት ይወስድ። ትካልና ናይ ተጫረታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፍነት የብሉን።

9. ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ፣ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርብን።

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ ሲፒኦ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስድ፡፡ 11.ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ (Performance Guarantee) ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ብCPO ከትሕዙ ይግባእ። ሰዓራይ ተጫረታይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብውዕሊ መሰረት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከቕርቡ ለይግባእ። እንተዘይኾይኑ ግና ንውዕሊ መኽበሪ Performance Guarantee ዘትሓዝዎ 10 ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ ትካል ኻሊእ መማረፂ ይወስድ። 12.ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ ወይም ብስ.ቁ 0914708567 ክድዉሉ ይኸእሉ።