ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ 1/2018
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2018ዓ/ም ናይ ኤለክትሮኒክስ ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
በዚ መሰረት
• ናይ 2017 ወይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡
• ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN መረዳእታ ክተቅርቡ እትኽእሉ
• ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ 2018 ዓ/ም ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።
• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡፡
• መቕረብቲ ካብ ዕለት 10/02/2018ዓ/ም ክሳብ 24/02/2018ዓ/ም ክሳብ ሰዓት11:30 ዘይምለስ ብር 200.00 /ክልተ ሚኢት ብር /ብምክፋል – ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል፡፡
• መኸበሪ ጨረታ ብር 5000.00/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ከም ምርጫ ናይቲ ተጫራታይ ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ክትሕዝ ኣለዎ፡፡
ሀ. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና
ለ. ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስና
ሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም ፡፡
• ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 25/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ፡ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኽፈት፡፡
• ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን፡፡
• ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ ኣለዎ
• ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፣፣
• ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ቤት ዕዮና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ አለዎም። አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን
• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ናይ ድርጅትኩም ማህተም ከዓርፎ ኣሎዎ
• ቤት ዕዮና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፣፣
• ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፣
ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 105 /ወይ አብ ግራዉን ቢሮ ቁፅሪ 1/ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን። ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0 2406380 ምርካብ ይከኣል።