ግልፂ ምልክታ ጨረታ ዕድግት ደምቢ ጫማን
ትካልና ይሓ ሪል-እስቴት ናይ ደምቢ ጫማን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ድሌት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም::
| ተቐ | ዓይነት ማተሪያል | መዓቀኒ | በዚሒ | Brand Name | ናይ ሓደ ዋጋ ምስ ቫት | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ጫማ ደቂ ኣንስትዮ (ውፅእት ፋብርካ) | ፅምድ | 13 |
መምርሒ ተጫረትቲ
2 ናይ 2017 ግብሪ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ኮፒ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል
3 ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN) ሰርቲፊኬት ኮፒ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል
4 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ሰርቲፊኬት ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእልን
5 እቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ብንፁር ተዘይተቀሚጡ ምስቫቱ ከምዝኾነ ርዱእ ይግበር
6 ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ)፣ ብስም ይሓ ሪል-እስቴት አስሪሑ ምስ ሰነድ ጨረታ ብኢንቨሎፕ ዓሺጎም ናብ ዝተዳስወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ትካልና ብምምፃእ የእትው
7 አብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫራታይ ዋጋን ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተጠቐሱ ናይ ደምቢ ጫማን መሳርሒታትን ብራንዲታትን ካልኦት ባህርያትን ብዝርዝር ክገልፅ ኣለዎ።
8 ዝሰዓረ እዚ ጨረታ ካብ ሕድሕድ ተጠቀምቲ ብዝተአዘዘ በዓቀኖም መሰረት ከቅርብ
9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 200 እናኸፈልካ ካብ ትካልና 6ይ ደብሪ ቁፅሪ 8 ምውሳድ ይከኣል
10 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 8/2/2018 - 18/2/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ፀኒሑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ፤ሰዓት 4:00 ኣብ ትካልና 6 ደብሪ ቁፅሪ 8 ይኽፈት፤
11 እዚ ጨረታ ከም ውዕሊ ኾይኑ እንተገልግል ሰዓራይ ውፅኢት ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 ተኸታታሊ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ትካልና ንብረት ክፍሊ 6ይ ደብሪ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝን መሰል ወፃኢታትን ከረክብ ዝኽእል፤
12 እቲ ዝሰዓረ ትካል/ውልቀ ሰብ) ድሕሪ እቲ ንብረት ምስአረከበ ዋጋ ናይቲ ንብረት ይኸፈል።
13 ተጫራታይ ነቲ ጨረታ ዝሰዓረሉ ኣቑሑት ውዕሊ እንተዘይፈሪሙን ኣብ ዝተወሰነ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት ከብፅሕ እንተዘይተሰማሚዑን ዘትሓዞ ሲፒኦ ናብ ሕሳብና አታዊ ኮይኑ ድርጅትና ካሊእ መማረዕ ይወስድ።
14 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ጎኒ ዋና ፅ/ት ደደቢት ማ/ፋይናንስ ናብ ዝርከብ ድርጅትና መፂእኻ ምሕታት ይከኣል፣ ቴሌፎን-0344-404253።