ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ግልፂ-ጨረታ

ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል መኪና ፅገና ናይ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ- ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ስለዚ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ መለለይ ግብሪ ከፋልነት(TN No)፣ናይ ተወሳኺ እሴት ታክሲ(VAT) ዝተመዝገብሉ ሰርተፊኬትን ናይ ነሓሰ ወርሒ ቫት ዲክለረሽን ዘቕርቡ

2. ናይ ጨረታ መክበሪ CPO ብር 5,000/ብር ሓሙሽተ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝኽእሉ

3. ካብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 07 ዘይምለስ ብር 200.00( ክልተ ሚኢቲ ብር) ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 08/02/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/02/2018 ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገብሩ።

4. ጨረታሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸውን።

5. ጨረታ ሰዓራይ ዝተሓተ ድምር ዋጋ ዝመልእ ይኸዉን ።

6. ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን ኣይኽእሉን።

7. ጨረታ ዕለት 17/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት 345 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይክፈትብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጓጎልን።

8. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ

ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኸፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን።

9. ኣብቲ ናይ ጉልበት ስራሕ ዘይተዘርዘረ እንተሃልዩ ምዉሳክ /ምፅሓፍ ይካኣል እዩ። 10.ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡