1ንልዕሊ 500000 ቅርሺ ብርር ዝዋግኡ እትሳተፉ ተጫረቲ በቲ መሰመር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ዘሐደስኩምን
2 እቲ ጨረታ ናይ ባዕል ዋና ሕጋዊ ማሕተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ
3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ሰለሰተ ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ ዘሎ ናይ ሐደ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
4 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ
5 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም
6 መከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ክተትሕዙ እትክእሉ
7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልከታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 4/2/2018 ዓም ጀሚሩ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ናይ ሐደ ሰነድ ዋጋ ብምክፋል ንተከታታሊ 10 መዓልቲታት ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ አበርገለ የጭላ ቀዳማይ ደብሪ ክፍሊ ቁፅሪ 28 ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ
8 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 40 መዓልቲ እዩ
9 መክፈቲ ጨረታ 14/2/2018 ዓም ምካኑ ፈሊጥኩም ድሕሪ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
10 ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ግልፂ ኮይኑ ብናይቲ ትካል ላዕለዋይ ሓለፊ ተፈሪሙምን ተሓቲሞምን ምስ ሙለእ ኣድራሽኡ ሰነዱን ይቀረብ
11 እቲ ጨረታ 4/2/2018 ዓም ክሳብ 14/2/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይከዉን
12 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
13 እቲ ጨረታ ዕለት 14/2/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ልክዕ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተከፈተሉ ይክፈት
14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ