ቤት መዘጋጃ ከተማ ነበለት

1 ዝተሐደሰ ናይ 2018 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነትን ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ካርዲ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን

3 ናይ 2018 ዓም ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደፍተር ዘለዎ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን መረዳእታ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

5 ወርሒ ነሐሰ 2017 ዓም ወይድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ቅዳሕ መረዳእታ ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮን ሙሉእ ሽም ፊርማ ኣድራሻ ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክግበሮ ይግባእ

7 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ቫት ዋጋ ሐዊሱ ብጥንቃቀ ነፀላ ዋጋ ከቀምጡ ይግጋባእ

8 ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን

9 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ብጨረታ ክምልኡ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኢም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከቅርቡ ይግባእ

10 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ ናይጨረታ መከበሪ ዉሕስና ብባንኪ ዝተረጋገፀ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ወይድማ ስፒኦ 150000 ከትሕዝ እክእል

11 ጨረታ ካብ 27/1/2018 ዓም ክሳብ 10/2/2018 ዓም ኣብ ዘለዎ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ቅደሚ ቀትሪ ካብ 2:30 ክሳብ 6:30 ድሕሪ ቀትሪ 8:00 ክሳብ 11:30 ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ነበለት ማዛጋጃዊ እቶት ቢሮ ቁፅሪ 7 ብምምፃእ ሕድሕድ ጨረታ ዘይምለስ 5000 ብር ብምክፋል ክወስዱ ይክእሉ

12 ጨረታ 10/2/2018 ዓም ሰዓት 11:30 ተዓፅዩ ዕለት 11/2/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ብግልፂ ይክፈት እነተዘይሓለዉ እዉን ኣብ ዉሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ተከፊቱ ይንበብ

13 ተወዳደርቲ ንዝመለእዎ ሰነድ ጨረታ ሐደ ዋና መረዳእታ ንበይኑ ክልተ ቅዳሕ መረዳእታ ንበይኑ ኣብ ሰለሰተ ፖስታ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምምፃእ ነዚ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክእሉ

14 ቴክኒካል ሰነድ ንበይኑ ፋይናንሻል ሰነድ ንበይኑ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ይግበር

15 እቲ ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእል

16 ሰዓራይ ናይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እንተበዝሐ ኣብ ዉሽጢ 6ኣዋርሕ ሙሉእ ስራሕ ወዲኡ ንቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ነበለት ከረክብ አለዎ

17 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒአ ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል

18 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 09101122 0962562741 0914450282