ግልፂ ጨረታ
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
2. ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን II ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ።
3. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ።
4. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ናይ ወርሒ ሓምለ ቫት ዲክለሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉ፡፡
5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል።
6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ የረክቡ፡፡
7. ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ 28/01/2018 ክሳብ 01/02/2018 ዓ/ም ስዓት
4፡00 ናይ ንጉሆ ይኸውን፡፡
8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-752718 ወይም ብኣካል ብምምፃእ ዓዲ ሓ ጥቓ ገነት መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ቢሮና ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡
| ተ/ቑ | ዝርዝር ንብረት | መፍለይ ቑፅሪ | መዕቀኒ | በዝሒ | ነዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | Computer Paper | A-4 | Pcs | 02 | Original | ||
| 2 | Protocol Book (መዝገብ ኣታውን ወፃኢን) | 25 * 35 | Pcs | 01 | Original |