ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ፤

ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርመርን ፖሊሲ ትግራይ ዝዋንነተን ተሸከርከርቲ ጥሙር ዓጋቲ ፍጥነትን ሓባሪ ኣንፈትን (Speed Limiter Integrated with GPS) ንምግጣም ትካልና ስለ ዝደሊ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ንበጀት ዓመት 2018 ኣገልግሎት ክፍፅም ይደሊ፡፡

ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ትካልና በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ ረቛሒታት እተማልኡ በዚ ዘርፍ ዝተመዝገብኹም መቕረብቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ሰርተፍኬት መቕረባይነትን ፣ናይ VAI ምስክር ወረቐት መረዳእታ ብኮፒ ከቕርብ ኣለዎ፡፡

❖ እቲ ፕሮፍርማ ካብ ቤት ዕዮ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፊት ንፊት ዝርከብ ኣድማስ ዩኒቨርሲቲ ግቢ ውስጢ 3ይ ደብሪ ብኣካል ወይ ወከልቲ ብምልኣኽ ምውሳድ ትኽእሉ፣

❖ ፕረፎርማ ሰድ ክፍቲ ዝኾነሉ እዋን ካብ ዕለት 26/1/2018 ክሳብ 29/01/2018 ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታትን ሰዓትን ምውሳድ ትኽእሉ ምዃንኩም ንገልፅ፤

❖ ፕሪፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 30/01/2018 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣታዊ ይከውን ፣እቲ ፕሪፎርማ ዝክፈተሉ በቲ ተመሳሳሊ ዕለት ተወዳደርቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ሰዓት 4፡30 ኣብ ቤት ዕዮና ይኽፈት፤

❖ እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ ስለ ዘገልግል ግቡኦም ኣብ ዘይፍፅሙ ተወዳደርቲ ብኣዋጅ፣ ደንብን መምርሒ ዕደጋ መሰረት ናብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክሲ ብምፅሓፍ ኣድላይ ስጉምቲ ዝውሰድ ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ፡፡

❖ ኣብቲ ፕረፎርማ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን የድሊ፣ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ንኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ ጠቕላላ ኣገልግሎት፣ ስምሪት፣

ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ 04 ኣታዊ ይግበር፣

❖ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደሩ ብቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዝተኣገደ እንተኾይኑ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይክእልን፣

ሓሬታ +251913869143 ምርካብ ትክእሉ ኢኩም፡፡