ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/ 859/2018
ዕለት:- 26/01/2018 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ናይ ፕሬዚደንት ፀሓፍቲ፡ ምክትል ፕሬዚደንትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ቢሮ መስኮት መጋረጃ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ብምዕዳግ ከስርሕ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን
ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፣፣
✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡
✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡
✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 26/01/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/01/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዕለት 29/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሸጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪሎም/ ኣብ ዝተረከብሉ ዝክፈት ይኮዉን፡፡
✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ ክልተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብዕሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡
✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምዕራይ ውድቂ ይግበር
✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡
✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡