ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ነበለት

1 ናይ 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ዝሐደሰን

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝከነን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2017 ዓም ሒሳብ ዝወራረደሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ንጨረታ መከበሪ ዝከዉን ኣብ እዋኑ ዝተረጋገፀ ሰርተፊይደ ቼክ ወይድማ ስፒኦ 50000 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ 500 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ካብ ዕለት 22/1/2018 ዓም ክሳብ 3/2/2018 ዓም ሰዓት 330 ምዉሳድ ይክእሉ

6 ተጫረቲ ዝሰዓረ ንብረት ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ተከታታሊ ናየ ሰራሕ መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 15 ሚእታዊ ዉዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕል ክኣስር አለዎ

7 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳርን ክፍሊት ድሕሪ ምፍፃሙን እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ካብቲ ቦታ ኣልዒሉ ክወስድ አለዎ

8 ኣብ እዋን ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተንን ዝገበረን ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበርን ብሕጊ ታሐታቲ ይከዉን

9 ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ቅጥዒ መወዳደሪ ነፀላ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብዝግባእ ደጋፊ መረዳእታ ምስ ዋና ምግንዛብ ፋይናንሻል መወዳደሪ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫራታይ ስምን ፊርማን ማህተምን ዓሪፈዎም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፍሉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ፅሕፈት ማይ ከተማ ነበለት ቢሮ ቁፅሪ 3 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 3/2/2018 ዓም ሰዓት 300 ቅድሚ ቀትሪ ከእትዉ አለዎም

10 እቲ ጨረታ ዕለት 3/2/2018 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ናይ ቅድም ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዛይምርካቦም ነቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

11 እቲ ነብረት በዝሑ መጠኑን ዓቀኑን ቀመቱን ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

0923456209 0911897585