ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ዋግዋጎ ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋግዋጎ ትራንስፎርመር ፋብ ከባቢ 350 በዝሒ ናይ ዘይቲ መትሓዚ ባዶ በርሚላት ንሕጋውያን ነጋዶ ብመልክዕ ግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሓ እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም::
1. ናይ ዘመኑ (2017 ወይ 2018 ዓ/ም) ዝተሓደሰ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /Tin number/ ዘለዎ: ዘለዎ: ግብሪ
2. እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሰነዳት ብቕዳሕ ኮፒ ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል፡፡
3. ስዓራይ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ሙሉእ ክፍሊት ከፊሉ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ንብረት ከልዕል ዝኸእል:
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፅ ሲፒኦ CPO/ ናይቲ ዘቕረቦ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልት ሚእታዊ) ከትሕዝ ዝኸእል::
5. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቕሓ (ሰነድ ጨረታ) ፊት ንፊት ኢትዮ ቴሌኮም ናይለክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ዋግዋጎ ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ክፍሊ ሎጂስቲክስ ካብ ዕለት 15/01/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 100.00 (ሓደ ምእቲ) ብምኸፋል ምዉሳድ ይካአል::
6. ተጫረቲ ቅድሚ ወረቐት ጨረታ ምእታዎም ኣብ ሓሚዳይ ጥቓ ፋብሪካ ሕሩጭ ፍትግ ኣብ ዝርከብ ዋግዋጎ ትራንስፎርመር ፋብሪካ ብኣካል ብምቕራብ ነቲ ዝጫረትዎ ንብረት ምርኣይ ይኽእሉ::
7. እዚ ጨረታ ዕለት 15/01/2018 ዓ/ም ተጀሚሩ ዕለት 26/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ይዕፀዉ:: እቲ ጨረታ በቲ ዕለት 26/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት::
8. ንጨረታ ዝኣተወ ሰነድ ኣይምለስን፡፡
9. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ኣድራሻና: ከበቢ ዓብይ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ፊት ንፊት ኢትዮ ቴሌኮም ዝርከብ ናይለክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ: ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914310753 ወይ 0904320713 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::