ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ንመበል 2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ትካልና ንዝተፈላለዩ ሕትመታት ዝውዕል PVC Card ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (In Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእለ፣

4. ቫት (VAT) ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉን፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር20,000.00 ከትሕዙ ዝኸእሉ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውዕሊ ኣብ ዝንፀር ጊዜ ገደብ ከቕርብ ዝኽእል፡፡

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAI ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAI ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምውሳኸ ወይ ምንካይ ይኸእል እዩ፡፡

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 28/01/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚልት ይከፈት፡፡

ተቐዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒነፀላ ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
1PVC Cardቑፅሪ300,000