ዓብዮ ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ጨረታ ቁፅሪ ሓደ / ቤ/ማ/ምምር 

ዕለት 30/2/ 2017 ዓ/ም

ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእኸል ኣብ 2018 በጀት ዓመት ዝተበጀተልና በጀት መሰረት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ሕጊ ተሃነፅትን ቆፆሮ እሱራትን ንሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክምግብ ይደሊ::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ሮቋሒ

1) ተጫረቲ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን

2) ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ቲን ናምበር ከቕርቡ ዝኽእሉ

3) ተጫረቲ ግብሪ 2017ዓ/ም ዝኸፍሉን ንግዲ ፍቃድ 2017 ዓ/ም ዘሐደሱን ናይ ወርሒ ሓምለ 2017ዓ/ም ዲክለር ዝግበሩን ዘከፈሎምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡ

4) ተጫረቲ ዝረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይስርዝ ድልዝ መሊኦም ብንፁር ሽምን ኣድራሻን ፌርማን ማህተምን ገይሮም ብዝተዓሸግ ፖስታ ኣብ ደ/ከ/ስ/ፋ/ን/ምም/ርን ዓ/ዓዲቤ ማንጨረታ ኣብዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ዝኽእለ

5) ዘሸነፈ ተራቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ ኣሲሩ መኽበሪ ዉዕሊ 10 ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእልን ብተወሳኺ እውን ብናይ ባዕሉ ንብረት መሳርሒ ክምግብ ዝክእል

6) ተጫረቲ ንሓደ ተሃናፃይ ምስ ጓቱ ንመዓልቲ ብሒሳብ 98.10 ብር /ቴስዓን ሸሞንተንቅርሺ ምስ ዓሰርተ ሳንቲም/ ንወርሒ 2943 ብር ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ኣለዎም።

7) ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ - ዘይምለስ 100 ብር-ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእኸል ምውሳድ ይክእሉ፡፡

8) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 30/12/2017 ዓ/ም ክሳብ 19/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4፡00 ሰዓት ይክፈት፡፡

9) ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ዝምለስ 30,000 ብር/ ሳላሰ ሽሕ ቅርሺ ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ ኣለዎም።

10) ተጫረቲ ብዘይ ኣገባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ነጋዶ ስጉምቲ እንወስድ ምዃና ከምኡ እውን ዘትሐዝዎ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ዝውረስ ምዃኑ።

11) ተጫረቲ ኣብቶም ዝወዳደርሎም ዝርዝር ቀረባት እቲ ናይ መንግስቲ ዘቐመጦ ስታንዳር ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ስጋ ዝምልክት ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ 200 ግራም ብዘይ ዓፅሚ ንሓደ ተሃናፃይ ዝብል ስታንዳርድ ዝሕረደቶ ግዜን መጠን ግራምን ወኒኾም ክወዳደሩ ይኽእሉ። ብተወሳኪ ኣብ ዓይነት ቀረብ 40 ሰርጌን ጣፍን 60% ከባብያዊ እኽሊ ዝብል ስታንዳርድ ናይ ከባቢያዊ እኽሊ ብምቕናስ ክሳብ 100% ሰርጌን ፍሃዳ ወፍ ከቕርቡ ክወዳደሩ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ንቁርሲ ካብ ፊኖ ወይ ስርናይ ዝተጋገረ ለተንከተ 200ግራም ባኒ ዝብል ክሳብ 100% ፊኖ ኢሎም ክወዳደሩ ይኽእሉ። ኣብ ስኳር 20ግራም ንሓደ ተሃናፃይ ኣብ ቁርሲ እዋን ዝብል ግራም ወሲኾም ክወዳደሩ ይኽእሉ። ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ቀረባት ወፃኢ ዘለው ቀረባት ግና እቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ስታንዳር እኹል ሰለ ዝኾነ ኣብዙይ ዝግበር ወሰኽ ከም መወዳደሪ ዘይንጥቀመሉ ምዃና ክፈልጡ ኣለዎም።

12) ተጫረቲ ግልፂ ኣብዘይኮነሎም ብኣካል መፂኦም ይኩን ብስልኪ ቁፅሪ 0942253841/0914709102 /ደዊልኩምሕታት ይካኣልእዩ።

13) ኣብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ኣለዎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይ ምቅራቦም ጨረታ ምክፋት ምርኣይ / ኣይተኣጓጎልን።

14) ማእኸለና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።