1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግድን ዘለዎን ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን
2 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ
3 ናይ ከፋላ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ከቅርቡ ዝክእሉ
4 ተጫረቲ ግብሪ 2017 ዓም ዝከፈሉን ፍቃድ ንግዲ 2017 ዓም ዝሐደሱን ናይ ወርሒ ሓምለ 2017 ዓም ሒሳብ ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
5 ተጫረቲ ዝጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ መሊኡም ብንፁር ሽምን ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓብ ዓዲ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ዝክእሉ
6 ዝሰዓረ ተጫራታይ ጨረታ ካብ ዝሰዓረ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሩ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገነዘብ ከትሕዝ ዝክእልን ብተወሳኪ እዉን ብናይ ባዕሉ ንብረት መሳርሒ ክምግብ ዝክእል
7 ተጫረቲ ንሐደ ተሃናፃይ ምስ ቫቱ ንመዓልቲ ብሒሳብ 98.10 ብር ንወርሒ 2943 ብር ምካኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ አለዎም
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይመለስ 100 ቅርሺ እናከፈሉ ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕን ምምሕዳር ንብረትን ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ምዉሳድ ይክእሉ
9 ካብ 30/12/2017 ዓም ክሳብ 1/1/2018 ዓም ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ረፋደ ሰዓት 330 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 400 ቅድሚ ሰዓት ይክፈት
10 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዘይምለስ 30000 ቅርሺ ብምክፋል ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
11 ተጫረቲ በዘይኣገባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ስጉምቲ ንወስድ ምኮና ከምእዉን ዘትሓዝዎ መከበሪ ገንዘብ ጨረታ ዝዉረስ ምካኑ ክፈልጡ አለዎም
12 ተጫረቲ ኣብቶ ዝወዳደሩ ዝርዝር ቀረባት እቲ ናይ መንግስቲ ዘቀመጦ መዓቀኒ ከም ዘሎ ኮይኑ አብ ስጋ ዝምልከተ ኣብ ወርሒ ሐደ ግዜ ክልተ ሚኢቲ ግራም በዘይ ዓፅሚ ንሐደ ተሃናፃይ መዓቀኒ ዝሕረደሉ ግዜ መጠን ግራምን ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም
13 ብተወሳኪ ኣብ ዓይነት ቀረብ 40 ሚእታዊ ሰርጊን ጣፍን 60 ሚእታዊ ከባቢያዊ እክል ዝብል ስታንዳርድ ናይ ከባባያዊ እክሊ ብምቅናስ ክሳብ ሚኢቲ ሚእታዊ ጣፍ ክወዳደሩ ይክእሉ
14 ብተወሳኪ ንቁርሲ ካብ ፊኖ ወይ ስርናይ ዝተጋገረ 200 ግራም ባኒ ዝብል ክሳብ ሚእቲ ሚእታዊ ፊኖ ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም
15 ኣብ ሽኮር 20 ግራም ንሐደ ተሃናፃይ ኣብ ቁርሲ እዋን ዝብል ግራም ወሲኮም ክወዳዱ ይክእሉ
16 ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ቀረባት ወፃኢ ዘሎ ግና እቲ መንግስቲ ዘቀመጦ መዓቀኒ እኩል ስለዝኮነ ኣበዚ ዝግበር ወሰከ ከምወዳደሪ ዘይንጥቀመሉ ምኮና ክትፈልጡ ይግባእ
17 ተጫረቲ ግልፂ ኣብ ዘይኮነሎም ብኣካል መፂኦም ወይ እዉን ብቁፅሪ ስልኪ 0942253841 0914799102 ደዊሎም ሐበረታ ምሕታት ይክእሉ
18 ኣብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክርከቡ አለዎም
19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም በዘይምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን
20 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙለእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ